ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኮይኖም ተሸይሞም


ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ
ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ

ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ረዳት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ንክሰርሑ ብዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተመዚዞም።

ሚድያታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለጸኦ 'ዶ/ር ወርቅነህ ናብ'ዚ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዝበቅዑ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንክዓስል ከምኡውን ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ነባራይ ምዕባለ ሕ/ሃ ልዑል ኣበርክርቶ ስለዝነበራ'ዩ'።

ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ 'ውሳነ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዩ ጉተረዝ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ዛጊድ ንዝነበራ ተግባራት ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ ሓባሪ'ዩ' ኢሉ'ሎ።

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኬንያ ንዝማእከሉ ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ሓላፍነት ክርከቡ'ዮም። ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ ኣብ ኬንያ ክሳብ 5 ሽሕ ሰራሕተኛታትን 16 ትካላትን ዝሓቐን'ዩ።

XS
SM
MD
LG