ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁይማን ራይትስ ዎች ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዝተባህለ ኩባንያ ዕደና ወርቅን ኣርጎር-ሀራውዮስ ዝተባህለ ናይ ስዊስ መፃረይ ወርቅን መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ዘቕረብኦ ጸብጻብ እተን ኩባንያታት ስጉምቲ ኣይወሰዳን ክብል ሓቢሩ።
ብሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፆ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንከቢድ ፀገማት ጥዕና ተቓሊዖም ኣለው። እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሜድሮክ ግን ብመንግስቲ ብዝተወሃቦ ፍቓድ መሰረት ስርሑ ቀፂሉ ዋላ እውን መንግስቲ ናይ ብኽለት ጉዳይ ክሳብ ዝፍታሕ ነቲ ፍቓድ እንተኣገዶ ጭቡጥ ስጉምቲ ኣይተወሰደን ይብል ።
መንግስቲ ብክለት ኣብ ጥዕና ዘስዓቦ ፅልዋ ኣመልኪቶም ተቓወምቲ ድምፆም ድሕሪ ምስምዖም ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ለጋ ደምቢ ኢንዱስትሪያዊ ዕደና ኣብ 2018 ፍቓዱ ኣጊዱዎ። እቲ ፀብፃብ ነበርቲ ንመርዛም ብረት ተሳጢሖም ኣብ ፅሩይን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ሃዋህው ናይ ምንባር መሰሎም ተጣሒሱ ይብል።
መንግስቲ እቲ ኩባንያ ነቶም ሽግራት ክሳብ ዝፈትሕ መርዛም ርስሓት ሓደጋታት ጥዕና ዘይምዃኖም ክሳብ ዝረጋገፅን ፍቓድ ኣይንሕደስን ኢሉ ነይሩ። ይኹን ድኣምበር መፅናዕቲ ሁማን ራይትስ ዎች ከምዘረጋገፆ እቲ ኩባንያ ዕደና ክሳብ መጋቢት 2021 ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ስርሑ ቀፂሉ።
ኣብ ሁማን ራይትስ ዎች ዳይሬክተር መሰላት ቆልዑ ጁሊያን ኪፐንበርግ "መንግስቲ ዕደና ለጋ ደምቢ ናይ ብክለት ምጉዳል ስጉምትታት ከይተወሰዱ ዳግም ክኽፈት ምግባሩ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝቕመጡ ህፃናትን ዓበይትን መሰል ጥዕና ጥሒሱ እዩ" ኢሉ።ንሱ ብምውሳኽ መንግስቲ ስጉምትታት ክሳብ ዝውሰዱ እቲ ናይ ዕደና ስራሕ ክእግዶ ነይሩዎ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ኣብ ጥቓ ከተማ ሻኪሶ ዝቕመጡ ነበርቲ ፀገም ጥዕናን ስንክልና ኣካላትን ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደሽቲ ዝተወለዱ ቆልዑ ንዓመታት ከጋጥሞም ፀኒሑ እዩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች እቶም ኩባኒያታት ካሕሳን ክንክን ጥዕናን ክህቡ ኣለዎ ኢሉ ኣሎ እቲ ።
ሚድሮክ በቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።ኣርጎር-ሀራዮስ ንሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን ''በቲ ፀብፃብ ሰንቢድና ኢና ምስ ሜድሮክ ዝነበረና ርክብ ስራሕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቋሪፅናዮ ኢና'' ኢሉ።
እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ን26 ነበርቲ ቃለ ምልልስ ከምዘካየደ ገሊፁ ኣሎ።