ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ግጭታት ውሽጢ ሃገር ድሮን ምጥቃም ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ


ቅላሊ ኤታማጆር ሹም ፊልድ ማርሻል  ብርሃኑ ጁላ- ፋይል
ቅላሊ ኤታማጆር ሹም ፊልድ ማርሻል  ብርሃኑ ጁላ- ፋይል

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘለዉ ጎንጽታት ድሮን ምጥቃሙ ከም ዝቅጽል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ኣብቶም ዘለዉ ውግኣት ድሮን ይጥቀም ከም ዘሎ ዘረጋገጹ ጠቅላሊ ኤታማጆር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ሓደ ትካል ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቅ "እኽብካብ ጥሩፋትምስ እንረክብ ብድሮን ምጥቃም ክንቅጽል ኢና" ኢሎም'ለዉ።

ብመጥቃዕቲ ድሮን ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለዉ መሰኻኽር ዓይኒን ተሓለቅቲ መሰላትን ይገልጹ'ለዉ፤ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ግን ንህዝቢ ንጥንቀቅ ኣለና ኢና ኢሎም።

ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እዉን ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክኸውን ዝኽእል ልዝብ ክህሉ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG