ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶን ዝሃቡዎ መልስን


ኢትዮጵያ ንኮቪድ 19 ንምቅልባስ ዝዘርገሐቶ ስልቲ፣ ነቲ ሓደጋ ንምንካይ፣ ንዕድመ እቲ ለበዳ ብምሕጻርን ንቁጠባዊ ዕብየት ብምቅጻልን ዘተኮረ ከምዝኾነ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጾም።ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሴ ንትረኽቦ ሕጋዊን ተፈጥሮኣዊን ረብሓ ንዝጻረሩ ኣጠንቂቆም።ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣድልዎን በደን ተፈፂሙዎ ኢሎም ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ።ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ነቲ ክሲ ኣሉታ ሂቦምሉ ኣለው።ምስ ሱዳን ዘሎ ጉዳይ ዶብ እውን ብሰላምዊ ኣገባብ ክዛዘም እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴት ኣብይ ኣሕመድ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እታ ሃገር ንዘቕረቡዎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መንግስቶም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ዝተኸተሎ ናይ መፍትሒ ኣገባብ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፍሉይ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቶም ንኮቪድ-19 ንምምካት ዝዘርግሖ ስልቲ ከምዚ ኢሎም።

ሃገራት ስሉስ ዓለም በመንፅር ኢኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ዝወርደን ውቅዒት ዝተሓተ እንተኾነ እውን ካብኡ ናይ ምሕዋይ ዕድለን ግን ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስደለን ኢሎም። ንሕና ኮሮናቫይረስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ዝብድሀን ሃገራት ስለዝኾና ሙሉእ ስትራተጂና እቲ ውቅዒት ምንካይ፣እዋኑ ምሕፃርን ዝጀመርናዮ ናይ ቁጠባ ዕብየት ከመይ ነዕብዮ ክንኽእልን ዝብል እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ኾይኑ ሒዙዎ ዝመፀ ዕድል ድማ ኣብነት ብምጥቓስ ከምዚ ኢሎም።

‘’ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ነዚ ብቕዓት ንምቕያር ሰፊሕ ስራሕ ስለዝተሰርሐ ሎሚ ኣብ ኩለን ክልላትን ክልተ ከተማታትን ኣስታት 31 ላብራቶሪታት ኣለውና።ኣብ ማዕልቲ 8,000 ሰብ ብኮሮና ምትሓዞምን ዘይምትሓዞም ምፍላጥ ዘኽእለና ዓቕሚ ፈጢርና ኣለና።’’ ክብሉ ገሊፆም።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘፈር ቁጠባ ዘስዓቦ ፀገም ከምዘሎ ኮይኑ ብዝተወስዱ ስጉምትታት ናይታ ሃገር ቁጠባ ሽዱሽተ ሚታዊ ከምዝዓቢ ተዛሪቦም።እዚ ናይ መንግስቶም ግምት እነተኾነ እውን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ብወገኑ ልዕሊ ሰለስተ ሚታዊ ከምዝዓቢ ምምስካሩ ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ መሪሕነት ናብ ስልጣን ምስ መፀ ግድብ ህዳሴ ንናይ ወፃኢ ሓይልታት ከም መደራደሪ ኣቕሪቡዎ ኢሎም ዝኸሱ ገለ ፖለሪካዊ ፓርትታትን ውልቀሰባትን ኣለው ዝብል ሕቶ ሓዊሱ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ሕቶ ቐሪቡሎም ነይሩ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብበለካ ለኽዐካ ዝንዛሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዘለዎም ሓላፍነትን ስልጣንን ከፃሪይዎ ከምዝኽእሉ ብምሕባር ናብ ዝርዝር ምእታው ንናይቲ ቤት ምክሪ ክብሪ ኣይምጥንን ኢሎም።ይኹን እምበር ናይቲ ግድብ ስራሕ ዘጋምዎ ዕንቅፋታት ናይ ለውጢ ኣመራርሕ ዝበሉዎ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንዝነበሩ ጌጋታት ኣሪሙ ሕዚ በፂሑዎ ዘሎ ደረጃ ምብፅሑ ኣባላት ባዕሎም ከይዶም ክምስክሩ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣድልዎን በደን ተፈፂሙዎ ኢሎም ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ።እዞም ኣባላት ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ኣድልዎ ኣብ ምፍፃም ይርከብ ኢሎም።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት መንገዲ ምዕፃው፣ዜጋታት ብነፈርቲ ናብ ትግራይ ከይጉዓዙ፣ኣብ ትግራይ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ከይስራሕን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዜጋታት ናብ ትግራይ ከይጉዓዙን፣ዕንቅፋት ብምፍጣርን ብምኽልካልን ህ ዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊን ቁጠባውን ዓቕሙ ክዳኸም በደል እናተፈፀሞ ትፈልጡ ኢኹም ወይ ድማ ትመርሕዎ ኣለኹም ዝብል ትርር ዝበለ ሪኢቶ ኣቕሪበን እተን ኣባላት ቤት ምኽሪ።እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ብምቕፃል ኣብ ትግራይ ተጀሚሮም ጠጠው ዝበሉ ወይ ይጓተቱ ዘለው ዝበሉኦም ፕሮጀክትታት መስመር ባቡር መቐለ ሃራ ገበያ ፣ባዕኸር ኣግሮ ኢንዳስትሪን ናይ ሽረ ተርሚናል መዕረፎ ነፈርትን ጠቒሶም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ደሚርኻ ምቕራብ ጌጋ እዩ ኢሎ።ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያዊነቱ ዝኾርዕ፣ጅግናን ንሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰን ዋጋ ዝኸፈለን ክቡር ህዝቢ እዩ እዚ ማለት ግን ኣብ ክልል ትግራይ ገበነኛታት፣ጌገኛታት፣ዝፃረፉ ሰባት የለውን ማለት ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።’’ሓደ ሰብ ክውቀሰ ከሎ፣ክልተ ሰባት ክውቀሱ ከለው ህዝቢ ትግራይ ተወቒሱ ናብ ዝብል ኣይንውሰዶ።ህዝቢ ትግራይ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ዓብይ ህዝቢ እዩ።ብክልተ ሰለስተ ሰባት፣ብሓደ ፓርቲ ዝውከል ኣይኮነን’’ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር መርኣያታቶ ኣድልዎን በደልን ተባሂሎም ቅድም ኢሎም ንዝቐረቡ መልሲ ኢቦም ኣለው።ንፕሮጀክተ ማይ ከተማ መቐለ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ፌደራል መንግስቲ ዘውፅኦ ዝበሉዎ 1.3 ቢሊዮን ብር ንመርትዖ ኣቕሪቦም ኣለው ቀዳማይ ምንስቴር።ብዛዕባ ዝርግሐ ፕሮጀክት ባቡር ወልዲያ መቐለ ዝምልከት ክባርነት ናይቲ ፕሮጀክት ኣረዲኦም።ካብ ወፃኢ ክርከብ ትፅቢት ዝተገበረሉ ናይ ልቓሕ እውን እቲ ፕሮጀክት ኣየዋፅእን ብዝብል ምኽኒያት ልቓሕ ንምርካብ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም።ኮይኑ ግን እቲ ፕሮጀክት ከምዘይቀቓረፀን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዝተብሃለ ሽግር ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ።ንሶም ክምልሱ ከለው ዝፀንሐ ሕውነታዊ ርክብ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብ ምዝኽኻር ዝተፈጥረ ፀገም ኣሉ ከይበሉ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝፍታሕ ኣረዲኦም።

ምስ መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ልዝብ ኣብ ምክያድ ኢና ንዝርከብ ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ክንድቲ ንሕና ነቕርቦ ክሲ ንሳቶም እውን ምልሻ ከምዚ ገይሩ፣ከምዚ ኣቲኩም፣ብሽምግልና ንዳነ እናበሉ ይሓቱ እዮም ኢሎም። ‘’ንቶኽሲ ዘብቅዕ ሕቶ ግን ኣይኮነን።ተተኻኢሉ ባዕልና ብልዝብ እንተዘትየኻኢሉ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ብልዝብ ዝፍታሕ ጉዳይ እዩ’’ ኢሎም።

ምስ ኣዚዮም ቀረባ ዝኾኑ ኣሕዋትና ከዋግኡና ዝደልዩ ጉጅለታትን ሚዲያታትን ኣለው ናትና ትኹረት ግን ህዳሴ ስለዝኾነ ግዚኦም ተዘይጥፍኡ ዝሓሸ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴት ኣብይ ኣሕመድ።

XS
SM
MD
LG