ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀብሪ ኣቶ መለስ ዜናዊ ነሓሰ 27, 2004 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝፍፀም ዕላዊ ኾይኑ


ተተካኢ ቀዳማይ ምንስቴር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቃለ ምሓላ ንምፍፃም እቲ ፓርላማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ከምዝኽእል ዝገለፁ ኣቶ በረኸት እቲ ህዝቢ ሕዚ ሓዘኑ ኣብ ምግላፅ ስለዝርከብ ኣባላት ፓርላማ ግዜ ንኽውሃብ ብኣፅንኦት ወሲኖም ኣለው ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ነቐፍቲ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ብውልቀ ምልክነት ናይ ኣመሓድራ ሜልኦም ዝነቕፍዎም እንተኾኑ’ውን ቀዳማይ ምንስቴር መልስ ዜናዊ ሃገሮም ዕዙዝ ቁጠባዊ ዕብየት ንኽተመዝግብን፡ሰላማይ ንኽትኸውንን ኣብቲ ከባቢ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓብላልነት ንኽረጋገፅን ገይሮም እዮም። “ገጠር ተጛዒዘ ንዓሰርተታት ሰባት ኣዘራሪበ ብሕሹኽታ ከምዝገለፁለይ ንገዛኢ ፓርቲ እንድሕር ዘይመሪፆም ስርሖም፡መንበሪ ገዛውቶምን ናይ ምግቢ ረድኤትን ከምምጠሉ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦም ተዛሪቦምኒ”

ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ንናይ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ሃገራዊ መንነት ምስ ጠለባት ዘመናዊት ዓለም ንኽጠዓዐም ዝገበሩ እዮም ነይሮም።

ኣብ ዋሽንግተን ብንግዲ ዝመሓደር ኣቶ ካሳሁን ተፈራ ኣቶ መለስ ዜናዊ ነታ ሃገር ንድሕሪት ጎቲቶምዋ እዮም ይብል።

ንዝሓለፉ 10 ዓምታት ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ዘላን ወናኒት ናይ ዕምበባ መሸጥን ኑብያ ፋሲል እውን ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሓሱ መራሒ ስለዝነበሩ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ትብል። ሽሙ ዘይገለፀ ሓደ ወሃቢ ሪኢቶ ድማ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዓብዪ መራሒ ነይሮም ይብል።
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:51 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG