ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ን11,400 መራሕቲ ስድራ መሬት ዓዲሉ


ፕላን ሓንቲ ማህበር ገዛ
ፕላን ሓንቲ ማህበር ገዛ

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ የቃልል እዩ ዝበሎ መፍትሒ ወሲዱ'ሎ።

ብመሰረት እዚ ብዓርሰ ምትሕግጋዝ ማሕበር ህንፀት ኣባይቲ ንዝተወደቡ ን11,400 መራሕቲ ስድራ ትማሊ ዘዳለወሎም መሬት ኣረኪቡዎም'ሎ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ተግባራዊ ዝኸውን ካልኣይ ዙርያ ዕደላ መሬት ን400 ማሕበራትን ን700 ጉዱኣት ኣካልን መሬት ንምሃብ ተሊሙ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ብኻልእ ገፅ ኣባይቲ ንምህናፅ ተሓሲቡ ካብ ግራቶም ዝተላዕሉ ሓረስቶት መረረ ኣስሚዖም ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት ንሜትር ካሬ ክልተ ቅርሽን ሰላሳ ሳንቲም ካሕሳ ከምዝተወሃቦም ብምግላፅ እዚ ድማ ኣዝዩ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ብምባል ኣምሪሮም ተቓዊሞምዎ፡፡

ኣይተ ብርሃነ ብዛዕባ እዚ መልሲ እንትህቡ እቲ ንሓረስቶት ካሕሳ ዝፈቅድ ኣዋጅ ሃገራዊ እዩ፤ኣብዚ ኣብ ክልል ዝመዓራረን ዝልወጥን ኣይኮነን ኰይኑ ግና ዳግም ይፅናዕ ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ን11,400 መራሕቲ ስድራ መሬት ዓዲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:29 0:00

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ን11,400 መራሕቲ ስድራ መሬት ዓዲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:37 0:00

XS
SM
MD
LG