ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባህርዳር ዝፅሞቅ ዘ-ቤታዊ ወይኒ


ዮርዳኖስ ኪዳነ
ዮርዳኖስ ኪዳነ
ወይዘሪት ዮርዳኖስ ኪዳነ ትባሃል ኣብ ባህርዳር ትነብር፤ ኣብ ዓመት ልዕሊ 5 ሺሕ ሊትሮ ወይኒ ካብ 14 ዓይነታት ፍራምረ ጾሚቛ ትሸይጥ’ላ፡፡ካብ ፋብሪካ ወጻኢ ኣብ ገዛ መስተ ወይኒ ዝጽሞቖሉ ሜላ ባዕላ ዝመሃዘቶ ምዃኑ ትገልጽ፡፡

ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሞያ ስነ ቁጠባ ዝሰልጠነት ዮርዳኖስ ትካል ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ወይኒ ካብ14 ዓይነታት ፍራምረ ከምዝጸሞቐት መረጋገጺ መሰል ዋንነት ምህዞ ሂብዋ’ሎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስቲ ዘለዋ ዓቕሚ ካብ ኣርባዕተ ዓይነታት ፍራምረ ማለት ካብ ማንጎ፣ ዘይትሁን፣ ሚለን ካብ ተኽሊ ወይንን ዝጸመቖቶ ወይኒ ኣብ ከተማ ባህርዳር ልዑል ተጠላብነት ምርካቡ ትገልጽ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ተኽሊወይኒ መስተ ወይኒ ዝጾሙቕ ሓደ ትካል ጥራሕ ምህላዉ እዚ ድማ ንቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድልየት ወይኒ ከማልእ ስለዘይኽእል ናብቲ ስራሕ ክትኣቱ መልዐሊ ከምዝኾና ዮርዳኖስ ትዛረብ፡፡

ዮርዳኖስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ምህዞ ታዓዊታ 15 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተሸለመትን በዚ ገንዘብ እዚ ኣቢላ ድማ ትካላ ከምዘማዕበለትን ትገልጽ፡፡ብተወሳኺ ዮርዳኖስ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ዝበለጻ ኣፍረይቲ ተባሂለን ዝተሓረያ ደቀንስትዮ ብምዃን ናብ ኣሜሪካ ከይዳ ናጻ ስልጠና ክእለት ኣመራርሓ ረኺባ እያ፡፡

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:01 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG