ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ብሰላማውን ብሕጋውን መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ-ገብሩ ኣስራት


ምስ ኤርትራ ናብ ኩናት ምምላስ ዝብል ነገር ስልጣን ንመናውሕን ቀልቢ ህዝቢ ንምቕያርን እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን ይብሉ እቶም መራሒ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ዘልዕሎ ዘሎ ናይ ኩናት ስግኣት፡ ህዝቢ ዝገጥምዎ ዘለዉ ጸገማት ንኸየልዕል ዝግበር ዘሎ`ዩ ዝበሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ሻዕቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢይ ናይ ምንጋዕ ለውጢ ክገብር ዓቕሚ ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

ንሉዓላዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽብር ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዓቢ ዲጋ ንኽስራሕ ኣይንቃወምን ዝበሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ እንተኾነ እኹል ዲፕሎማሲ ተሰሪሕሉ ድዩ? እኹል ናይ ምክልኻል ጉዳይ ተገይርሉ ድዩ? እቲ ኩንትራት ተዋሂቡ ዘሎ ሳሊኒ ንዝተባህለ ኩባንያ`ዩ፡ እዚ ሳሊኒ ዝብሃል ኩባንያ ድማ እንታይ ዓይነት ትካል ምዃኑ ይፍለጥ`ዩ ኢሎም።

ካልእ ኣብቲ ናይ መቐለ ኣኼባ ዝተላዕለ ጉዳይ፡ ንብልሽውና ዝምልከት`ዩ ኔሩ። ኢትዮጵያ ብብልሽውና ትፍለጥ ሃገር ኾይና`ላ ክብሉ`ውን ተዛሪቦም። “ስርቂ፡ ምጥፍፋእ ሰማይ በጺሑ`ሎ፡ እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ`ኸ ምስ`ቶም ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ጥራሕ ድዩ ምትእስሳር ኔርዎም?”

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG