ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደንበ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ 'መድረክ' ምስ ገዛኢ ፓርቲ ክላዘብ'የ ይብል


ብዛዕባ ሰነድ ስነ-ምግባር ምዝርራብ ትርጉም የብሉን'ውን ይብሉ ፕሮፈሰር በየነ

ደንበ ተቃወምቲ ፓርቲታት ኢትዮዽያ ዝኾነ “መድረክ”፣ምስ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ ንምዝርራብ ቅሩብ ከምዝኾነ፣ኣብ ምዕዋት‘ዚ መደብ‘ዚ ምስ ኣሜሪካውያንን እጀታ ዘለዎም ካልኦት ወገናትን ከምዝተዘራረበ ተገሊፁ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኢትዮዽያ ይዝረበሉ ዘሎ ፀገም ፅንፈኛነት ብደረጃ መድረክ ኣይተገምገመን ዝበሉ ወሃቢ-ቃል መድረክ ፕሮፈሰር በየነ፣እስላም ኣብ ኢትዮዽያ ምስ ክርስትናን ካልእ ሃይማኖትን ሓቢሩ ዝነበረ‘ዩ።
ኣማናይ‘ቲ ሃይማኖት ፅንፈኛነት ከምዘይስዕብ ገሊፆም።ካብኡ ሓሊፍካ ግና መንግስቲ ነቲ ፀገም ኣጋኒኑ ካብ ምግላፅ መርተዖ እንተዝህልዎ ተመራፂ‘ዩ፣ ነገር ግን ንህዝቢ ንምጉዳእን ኣጥፊእካ ምጥፋእን ብውልቀ-ሰባትን ብጉጅለታትን እንተተፈፀመ ኣይገርመንን ኢሎም።

ኣባል ፓርቲታት መድረክ ብገበን ኣይተኸሰሳን እንተኾነ ውልቀ-ሰባት ይኽሰሱ‘ለው።ንፍትሓዊ ዳይነት ኣብ ኢትዮዽያ ዝጠራጠሩ ዋላ‘ውን እንተሃለው፣ነቲ ክሲታት ኣብ ቅድሚ ዳኛ ንሙግቶ ኣለና።ክንቅፅል‘ውን ኢና ኢሎም።

ብዛዕባ ልዝብ ተዛሪቦም ነይሮም ፕሮፈሰር በየነ።ኣብ ሓደ እዋን ገዛኢ ፓርቲ ንልዝብ ዓዲምኩም ከምዝነበረን ከምዘይሰለጠን።ዳሓር መንግስቲ ኔዘርላንድ ንኩሎም ተቃወምቲ ፓርቲታት ዓዲሙ ከዘራርብ ፈቲኑ፣መድረኽ ግና ኢዴፓን መራሒኡ ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣኼባ ኣይሳተፍን ኢሉ ከምዝሓንገደ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ፕሮፈሰር በየነ ግና ”ኣብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ዝተፈፀመ ምስ ልዝብ ዘራኽብ የብሉን።ሰበ-ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ኔዘርላንድ፣መብርሂ ንክንህብ ተሓቲትና ነይርና።መራሕቲ መድረኽ‘ውን ተሳቲፎም ነይሮም።ኢዴፓ ብዛዕባ ዝባሃል ፓርቲ፣መድረክ ኣቀዲሙ ዝሓዞ መርገፂ ነይሩ።ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክዕደሙ ከለው፣መን‘ዩ ተሳታፊ እናበልና ኣይንሳተፍን ነይርና።ዳሓር ግና ብሕልፊ በቲ ዝጠቀስካዮ ውልቀ-ሰብ ዝምራሕ ፓርቲ ኢዴፓ፣ናብ ዝኣተናዮ እናሳዓበ ኣንፃርና መርገፂ ክገልፅ ጀመረ።ፀገም ኣለና እንተበልና፣ኢዴፓ ጠበቃ ኢህወዴግ ኮይኑ ምቅራብ መሪፁ።ምስ ጨነቀና፣ንለገስቲ ማሕበረ-ሰብ መርገፂና ኣፍሊጥና።ደጊም ምስ ኢዴፓ ከይትዕድሙና፣ሓፃር‘ውን ትኹን በይንና ኣዘራርቡና ኢልናዮም።ስለዚ ጉዳይ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ምስ ልዝብ ዘራኽብ የብሉን” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG