ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ንድፊ ምምሕያሽ ኣዋጅ ብዝምልከት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኮሚተ ጉዳያት ደሞክራሲ ሎሚ ረቡዕ ወግዓዊ ህዝባዊ ልዝብ ኣካይዱ’ሎ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ልዝብ ዝተረኽቡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ዮናታን ተስፋዬ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ዘድለየሉ ምኽንያት ሓቢሮም። ንሶም እቲ ዝስረሓሉ ዘሎ ኣዋጅ ኣብ ኣመሰረራታን ትሕዝቶ ብዝተሓሓዝ ንዘለው ናይ ሕጊ ክፍተት ገለ ካብ ምኽንያት ምምሕያሽ ምዃኖም'ውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ልዝብ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ ጉዳያት: ሲቪል ማሕበራትን ማሕበራት ጋዜጠኛታትን ንዝቐረበ ንድፊ ምምሕያሽ ኣዋጅ ዘለዎም ነቐፌታን ናይ ተቃውሞ ሓሳባትን ኣካፊሎም'ዮም።
ቅጥዒ