ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብምኽንያት ዓወት 20 ጉንቦት መደረ ኣስሚዖም


ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ

ንግደብ ህዳሴ ዘማእከለ'ዩ እቲ መደረኦም

ብምኽንያት መበል 20 ዓመት 20 ግንቦት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝተኻየደ ሰልፊ ብቀንዱ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ድጋፍ ንምግላፅ ዝተፀውዐ ነይሩ።


ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ሳላ መንግስትን ገዛኢ ፓርትን ተመዝጊቦም ዝበሉዎም ዓወታት ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ብምትእስሳር እዮም ዝገለፆምዎ።


ንሶም ከምዝበልዎ ኢትዮጵያዊያን ናይ ወፃኢ ልቓሕን ረድኤትን እንድሕር ዘይረኺቦም ኣብ መፋሰስ ኣባይ ዋላ ሓደ ነገር ክሰርሑ ኣይኽእሉ ዝብል ኣበሃህላ ስለዝፀንሖም፣ንታሪኽ ድኽነትን ጉድለት ዓቕምን ዝሰበረ እዩ ኢሎም።እቲ ግድብ ናይ ካልኦት ዓወታት መርኣያን መፃኢ ዓወታት እውን ሓባሪን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።


ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ይብሉ ቀ/ሚ መለስ ንዓና ገዚፍ ፍልፍል ሓይሊ መብራህቲ ጥራሕ ኣይኮነን።ብዙሕነትና ብግቡእ ዘተኣናግድ ፖለትካዊ ስርዓት ሃኒፅና፡ትኽክለኛ ኣንፈት ልምዓት ተሊምና ካብ ዝነበርናሉ ዓዘቕቲ ድኽነት ወፅኢና ቀዳሞት ኢትዮጵያዊያን ናብ ዝነበርሉ ጠርዚ ስልጣነ ዓለም ንምብፃሕ ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ህዳሰ ንምስጛም ምልዓልና ዘርኢ ናይ ውፍዩነትና ሓውልቲ እዩ ኢሎም።


ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ብምቕፃል ድሕሪ ሕዚ ወነንትን ተጠቀምትን ሩባ ኣባይ እምበር ናይ ርሑቕ ተመልከቲ ከምዘይንኸውን ሃብቲ ተፈጥሮና ንኸይንጥቀም ዝኽልክለና ሓይሊ ከምዘይህሊ ዘረጋግፅ ናይ ዕዉት ፃዕርና ሓውልቲ እዩ ኢሎም።


እቲ ግድብ ብሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ኣስተዋፅኦ ዝህነፅ ምዃኑ ትርጉሙ ዝሰፍሐ ከምዝገብሮ ኣቶ መለስ ወሲኾም ገሊፆም።ናይቲ ግድብ ህንፀት ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ንህዝቢ ኣንቀሳቒሱ እዩ ክብሉ ኣቶ መለስ ኣረዲኦም።


እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንሶም ከምዝበልዎ እቲ ግድብ ድኽነት ታሪኽ ንምግባር ዕውት ጉዕዞ ምጅማርና ዘረጋግፅ ገዚፍ ፕሮጀክት ብምዃኑ እዩ ይብሉ።


እቲ ግድብ ካልኦት ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ብዘይተኣጛጙል ብህፁፅ ንኽዛዘም መንግስቶምን ፓርቶምን ኢህወደግ ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ኣቶ መለስ ኣፍሊጦም።

ንሶም ኣብ መደረኦም “መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብና ኢህወደግን ግድብ ህዳሰ ኣብ መወዳእትኡ ንምብፃሕ ካብቲ ብትልሚ ዝተትሓዘ ግዜን ወፃእን ብዝተሓተ ንምስራሕ ንፅኣት’ውን ከይተወላወሉ ማዕልትን ለይትን ከምዝረባረቡ ናይቲ ህዝቢ ልምዓታዊ ምልዕዓል ብዝግባእ ወዲቦም ከምዝንቀሳቐሱ ከረጋግፀልኩም እደሊ።ግድብ ህዳሴ ናይ ሓፈሻዊ ናይ ልምዓት ምርብራብና ተምሳሌት እምበር ናይ ልምዓት ስራሕትና መጀምሪያን መወዳእታን ስለዘይኮነ ናይቲ ግድብ ስራሕ ካልኦት ዓበይቲ ናይ ልምዓት ስራሕትና ብዘየተኣጛጙል መልክዑ ከምዝፍፀም ከረጋግፀልኩም እደሊ” ኢልም።

ቀዳምይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ፈረንሳይ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ጉጅለ ሸሞንተ ተኻፊሎም ምስተመለሱ እዮም።ብዘይካ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ግን ኣብ መደርኦም ብቐጥታ ኣይሓበሩን።

Recommended

XS
SM
MD
LG