ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሚልዮን ሰባት 20 ግንቦት ንምኽባር ናብ ኣደባባይ መስቀል ክወፁ ትፅቢት ኣሎ


ኣብ'ቲ በዓል ዘይሳተፉ ሰባት'ውን ኣይተሳእኑን

መንግስቲ ኢትዮዽያ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ን፳ ግንቦት ብድምቀት ንምዝካር ይቀራረብ‘ሎ።ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክሳተፍ‘ዩ ዝብል ትፅቢት‘ውን ኣሎ።

ኣደባባይ መስቀል ኣብ ድሮ‘ቲ በዓል ሎሚ ፀጥ ኢሉ‘ዩ ዘሎ።እቶም ዝርካቦም ሰባት፣ነቲ ፅባሕ ዝካየድ ኣኼባ መጉልሂ ድምፂ ዝገጥሙ ኪኢላታት ጥራሕ‘ዮም።

ካብ ምንስቲር ኮምንኬሽን ኣቶ ሽመልስ ከማል ክዛረቡ ከለው፣እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንዝተመዝገቡ ንምጉላህ ክንጥቀመሉ ኢና ይብሉ።

ኣቶ ሽመልስ ወሲኾም ”ኢትዮዽያ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት፣ ንድልየትን ራኢን ህዝቢ ንዘማልኡ ብርክት ዝበሉ ኣዎንታታት ፈፂማ‘ያ።ምስ‘ቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝነበረ ደረጃ መነባብሮ ኣነፃፂርካ ሎሚ ለውጢ ተራእዩ‘ሎ” ኢሎም።

ክልተ ዲጂት(ቁፅሪ) ዕብየት እናተመዝገበ ዝመፀ‘ኳ እንተኾነ፣ሎሚ‘ውን ፀገማት ከምዝራኣዩ ዝገለፁ ኣቶ ሽመልስ ከማል፣መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮዽያ ሃገሩ ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ኣትያ ከምዘላ ይኣምን‘ዩ ኢሎም።

ኣብ‘ታ ተስዓ ሚልዮን ዝነብረላ ሃገር፣ኩሉ ሰብ ምስ ገምጋም ኣቶ ሽመልስ ከማል ይሰማማዕ‘ዩ ማለት ግና ኣይኮነን።ገለ ዘወርቲ ታኽሲ‘ኳ ካብ‘ቲ ናይ ኣደባባይ መስቀል ሰልፊ ከምዝርሕቁ ይዛረቡ።

32 ዓመት ዝዕድሚኡ ዘሪሁን ጌትየ ዝተባሃለ ኢትዮዽያ ብወገኑ፣ኣቶ መለስ ዜናዊ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንነዘ፣መብዛሕተኦም ኢትዮዽያውያን ናብረኦም ኣይተማሓየሸን ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ደገፍቲ‘ቲ ይኣክል ዝብል መፀውዒ ዝሓዘ ወፍሪ ፀረ መንግስቲ፣መብዛሕተኦም ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ‘ዮም ኢሎም ኣቶ ሽመልስ ከማል።

ስሞም ክጥቀስ ዘይመረፁ ምስ ወፍሪ ይኣክል ዝወገኑ ሰብ፣እቲ ምንቅስቃስ ሰፊሕ ድጋፍ ኣለዎ ኢሎም።እንተኾነ ፅኑዕ መንግስታዊ ቁፅፅር፣ተቃውሞ ንምውዳድ ኣፀጋሚ ወይካኣ ዘይካኣል ክገብሮ ይኽእል‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG