ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጓንፍ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ይጻዓር’ሎ


ኣብ ኤርትራ ግዝረት ደቀንስትዮ ነኪዩ

ኣብ ኢትዮጲያ ብፍላይ ኣብ እዋን ሕርሲ ንዘጓንፍ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ግልጋሎት ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ዝህቡ 282 ሰብ ሞያ ይስልጥኑ ኣለዉ::እቲ ስልጠና ኣብ ዩኒቨርስቲታት ጎንደር፣ሃዋሳ፣ሃሮማያ፣መቐለን ጅማን እዩ ዝዋሃብ ዘሎ::

እቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝሰልጠኑ 19 ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ስራሕ ኣምሪሖም ኣለዉ::

ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ህይወት ዘለዎ ሕንጠይ እንትወልዳ ህይወተን ክስእና የብለንን ዝብል ጭርሖ ዳርግ ዓለምለኻዊ ኮይኑ’ሎ:: መንግስቲ ኢትዮጲያ ድማ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዋሕዲ ላዕለዎት ክኢላታት ማህፀንን ጥንስን ንምቅላል ሰብ ሞያ ማሕበረሰባዊ ጥዕና ብናይ ሰለስተ ዓመት ማስተርስ መደብ ትምህርቲ ንምስልጣን ቅድሚ ሰለስተ ዓማውቲ ጀሚሩ::

ኣብቲ ቐዳም ለካቲት 10 ኣብ መቐለ ዓይደር ሆስፒታል ዝተኻየደ ጽምብል ኣብ ልዕሊ እቶም ግልጋሎት ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ዝህቡ 19 ሰብ ሞያ ብተወሳኺ 65 ሓኻይም፣ 6 ሰብ ሞያ ማሕበረሰባዊ ጥዕና ከምኡ’ውን 30 ብሞያ ፋርማሲ ተመሪቖም ‘ዮም::

ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም “ክሳብ ሐዚ ኣብቶም ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዘኽእለና ስርዓት ጥዕና ኢና ክንዝርግሕ ፀኒሕና፤ ውጽኢቱ ካብ ሕጂ ንዳሓር እዩ ክረአ” ኢሎም::

ኣብ ኢትዮጲያ ሞት ኣዴታት 40 ኢድ ሚኢታዊ ዋላ እንተነከየ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዝተርፈና እውን ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ::

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኤርትራ መዓልቲ ግዝረት ደቀንስትዮ ንሻዱሻይ ግዚኡ ተኸቢሩ፡ ኣብ`ታ ሃገር ተግባር ግዝረት ደቀንስትዮ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡

ጸብጻብት መቐለን ኣስመራን ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ፡

XS
SM
MD
LG