ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኤግዚቢሽን ኢንዱስቱሪታት: ዓለባን ኣልባሳትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተፈሊጡ


ዓለባ ኢትዮጵያ
ዓለባ ኢትዮጵያ

ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጹን ኣብ ኢንዱስቱሪ ዓለባ፣ኣልባሳትን ቴክኖሎጂን ዝተዋፈሩን 180 ዓለምለኸ ትካላት፡ ፋብሪካታትን ለኣኽትን ዝሳተፍሉ ዓብዪ ዓለምለኸ ኤግዚቢሽን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኽፈት ተፈሊጡ።ኢትዮጵያ ካብዚ ብዙሕ ትጥቀም እያ ይብሉ ኣዳለወቲ'ቲ ኤግዚቢሽን።

ነቲ ኤግዚቢሽን ዘዳለዎ Origin Africa 2015 ብዝብል ሽም ዝጽዋዕ ትካል እዩ።ዝቕጽል ረቡዕ 10 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምዝኽፈት ሎሚመዓልቲ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃቡ ኣዳለውቲ ኣፍሊጦም ኣለው።ኣብቲ ምርኢት ልዕሊ 180 ዓለምለኸ ትካላት ፋብሪካታትን ኣውፈርትን ዝሳተፉ ኮይኖም ፍሪያቶምን ውጽኢት ምህዞታቶምን ከቕርቡ እዮም።ነቲ ምርኢት ካብዘዳለው ናይ ኣፍሪካ ማሕበር ኢንዱስቱሪታት ጡጥን ዓለባን ሓደ እዩ።ኣባል ቦርድ እዚ ማሕበርን ፕሬዝዳንት ማሕበር ኢንዱስቱሪ ዓለባን ኣልባሳትን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ ፋሲል ታደሰ ብዓይነቱ ፈላማይ ኤግዝብሽን እዩ ይብሉ።ብምስዓብ ንሶም ‘’ካብ 25 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 180 ትካላት ክሳተፉ እዮም።ብደረጃ ኣህጉር ክንሪኦ ከለና ኣፍሪካ፣ ኤስያ፣ ኣውሮፓ ማእኸላይ ምብራቕን ኣሜሪካን ዝሓወሰ ብዘይካ ኣውስትራሊያ ኩለን ክፍለ ኣህጉራት ክሳተፋ እየን’’ይብሉ።

ከም እምነት እቶም ኣዳለውቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ዓደግቲ፣ኣተኣላለሽቲ ፍሪያት፣ወኪላት ሰብ ሃብትን መንግስትን ዝኾኑ ልዕሊ 1,500 ኣጋይሽ ነቲ ምርኢት ክዕዘቡዎ እዮም።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኢንዱስቱሪ ሚኒስትር ዳይረክተር ኢንስቲቱት ልምዓት ዓለባ ኣቶ ስለሺ ለማ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ዕብየትን ትራንስፎርመሽን ንናይ ወጻኢ ኢንቨስተራት ዝስሕብ ስራሕቲ ሰሪሓ እያ፤ዓቕሚ'ውን ኣጥሪያ እያ ኢሎም።

‘’ናይ መጀመሪያ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ክንጅምር ከለና ከም ሃገር ብቑጽሪ ዝነበራና 55 ትካላት ጥራሕ ነይረን’’ ምስ በሉ ንሶም ኣስዒቦም ‘’ንሱ እውን ውሽጣዊ ትሕዝቶታተን ዝኣረገ መሳርሒ ዝነበረን፣ኣዚዩ ዝኣረገን ኣፍራይነቱ ኣዚዩ ዝወረደን ሰራሕተኛ ዝሓዛ ነይረን።ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ትልሚ ማለት ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ/ም ግን ኣስታት 130 ዝኾና ማእከላይን ዓበይትን ናይ ዓለባን ኣልባሳትን ኢንዱስትሪታት ፈጢርና ኣለና’’ኢሎም።

ኣብቲ ኤግዚብሽን ፍሉጣት ሰብ ሙያ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከቕርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።ነቲ ኤግዚቢሽን ናይ ኣፍሪካ ናይ ጡጥን ዓለባን ኢንዱስቱሪታት ፌደረሽንን Trade and Fares East Africa Limitedን ዝተባሃሉ ትካላት እዮም ዘዳልውዎ።

XS
SM
MD
LG