ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎም ህጻናት ብጉድለት ምግቢ ይሳቀዩ አለዉ


አብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎም ህጻናት ብጉድለት ምግቢ ይሳቀዩ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት አፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ 10ታት ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ አጋጢምዎ አብ ዘለዎ እዋን ምላሽ ገበርቲ ሰናይ ዝሕቱል ምህላው'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ቤትጽሕፈት ሰብአዊ ምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት አብ ዘውጽኦ መግለጺ ብኤል ኒኖ ዘስዓበ ደርቂ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽትን ዝቐርብ ዘሎ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ቅልጡፍ ምላሽ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ'ሎ።

ሕሱም ጉድለት ምግብና አጋጢምዎም ናብ ሆስፒታል ዘአተዉ ቆልዑ ቁጽሮም ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎን እቶም ቆልዑ ነብሶም ዝመልስ ጥላለት ምግብና እንተዘይረኺቦም ክሞቱ ከምዝኽእሉ OCHA አሰሚዑ'ሎ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ንዓመተ 2017 ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ብብዝሒ ሸቶ ብምምዝጋብ ዝፋነዋ ዘሎ ተጻዋታይ መን ይበሃል?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG