ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ገንዘብ ፈቒዳ


ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 'ኤምፒሳ' ንዝተባህለ ናይ ወፃኢ ዲጂታል ኣገልጋሎት ሞባይል ፋይናንስ ፍቓድ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ። ኤምፒሳ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተዋፊሩ ዘሎ ሳፋሪኮም ዝብሃል ኩባንያ ወፃኢ ዝውነን ኮይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኣገልጋሎት ፋይናንስ ንምሃብ ፍቓድ ዝረኸበ ቀዳማይ ናይ ወፃኢ ኣውፋሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ተጠባባቒ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብ ኣቶ ሰለሞን ዳምጠው ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ ኤምፒሳ ብሞባይል ቴሌፎን ንኽፍሊት ገንዘብ ሓዊሱ፡ ኣገልግሎት ልቓሕን ዕቋርን ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ሓቢሮም። ንኤምፒሳ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቡ፣ ኣብ ኣዋጅ ክፍሊት ገንዘብ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ድማ ኣቶ ሰለሞን ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ሓሳቦም ዘካፈሉ በዓል ሞያ ፋይናንስ ኣቶ ጋሻው ደሳለኝ፣ ኤምፒሳ ዓብዪ ዓቕምን ናይ ነዊሕ እዋን ልምድን ዘለዎ ስለዝኾነ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ኣበርክቶ ዝለዓለ ክኸውን እዩ ኢሎም። እዚ ትካል ፅቡቕ ናይ ውድድር መንፈስ ከሕድር ከም ዝኽእል’ውን ገሊፆም።

ይኹን ደኣ እምበር ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ከም ኤምፒሳ ንዝኣመሰሉ ናይ ወፃኢ ዲጂታል ኩባንያታትን፡ ነቶም ዝመፁ ዘለዉ ናይ ወፃኢ ባንክታትን ንምቁፃፀር ዘኽእል ዓቕሚ ከማዕብል ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም። ኣቶ ሰለሞን ዳምጠው ብወገኖም፣ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነዞም ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝዋፈሩ ዘለዉ ኩባንያታትን ባንክታን ንምቁፅፃር ዘኽእሉ ኣሰራርሓታትን ዓቕምን የማዕብል ከምዘሎ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG