ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ዝቀነየ ተመን ዋጋ መብዛሕተኦም ሸቐጣት ተላዒሉ


ተቓወምቲ ቅድመ ምድላው ዘይተገበረሉ እዩ ነይሩ ይብሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መሰረታዊ ሸቐጣት ዝተግበሮ ተመን ዋጋ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዘልዐለ ምንስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ።ውሃቢ ቃል እቲ ምንስቴር ኣቶ ኣማከል ይማም ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ብዘይካ ዘይቲ፡ሽኮርን ስርናይን ወፃኢ ኣብ ካልኦት ዝተቐመጠ ተመን ዋጋ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተላዒሉ’ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ተመን መሸጢ ዋጋ ዘውፅአ፣ኣብ ልዕሊ 17 ሸቐጣት ነይሩ።

እቲ ውሳነ ክትግበር ዝነበሮ ካብ ሎሚ ጀሚሩ'ኻ እንተኾነ ኣብ ገለ ናይ ስጋ መሸጢ ግና ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣሎዩ።እቲ ተመን ክወፅእ እንተሎ ብኺሎ 52 ቕርሺ ዝነበረ ዋጋ ሓድው ኪሎ ስጋ ትማሊ ክሳብ 90 ቕርሺ ከምዝተሸጠ ተጠቕወምቲ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ንግዲ ከምዝበልዎ ብዘይካ እቶም ዝተጠቅሱ ሰለስተ ፍርያት ዝተረፉ ሸቐጣት ነጋዶ ብዘውፅኡዎ ዋጋ ከምዝሽየጡ ይገልፁ።

እቲ ናይ ዋጋ ተመን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዕላዊ ክኸውን ከሎ ብነጋዶን ብተቓወምቲን ተቐባልነት ኣይረኸበን ነይሩ። ሸቐጣት ካብ ዕዳጋ ምስዋር ምስ ጀመሩን ናህሪ ዋጋ ስለዝተጠፈጠረ ግና እቲ ስጉምቲ ጌጋ ከምዝነበረ የመልክት ክብሉ ተቓወምቲ ይገልፁ።

ምስ ቪኦኤ ቃለመጠይቕ ዘካየዱ ኣቦ መንበር ኢዴፓ ዝነበሩ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው እቲ ተመን ተጋባራዊ ክግበር እንተሎ እኹል ምድላው ከምዘይተገበረሉ ይገልፁ።

ኣቶ ልደቱ "ዝኾነ ይኹን ናይ ኮማንድ ወይ’ውን እዚ ኢኮኖሚ መግለፂኡ ተመን ዋጋ እዩ፣‘’እኹል ምድላውን ጥንቃቐን ዘይተገበረሉ፡ኣፈፃፅምኡ’ውን ኣፀጋሚ’ዩ።ንኽልተ ዓመታት ምድላው ገይርናሉ ኢና ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ።ኣሽንዃይዶ ንኽልተ ዓመታት ንኽልተ ማዕልታት እውን ምድላው ዝተገበረሉ ኣይመስለንን’’ይብሉ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ንግዲ ኣቶ ኣማከል ይማም ግን ንሪኢቶ ኣቶ ልደቱ ኣይቕበሉን።"እኹል መፅናዕቲ ተገይሩሉ ከምዝተጀምረን፣ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ናይ ዋጋ ቁፅፅር ናይ ምግባር ዕላማ ከምዘይነበሮን" ይገልፁ። መንግስቲ ብመፅናዕቲ እዩ ኣትዩ ሕዚ’ውን ብመፅናዕቲ እዩ ዝልውጦ ዘሎ'ውን’’ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቲ ብልዒ፡ሽኮርን ስርናይን ካብ ወፃኢ እናእተወ ንዓደግቲ ምቅራብን ምሻጥን ከምዝቕፅል ብተደጋጋሚ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG