ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ን3 ውድባት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ሓኺኹወን


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኢትዮጵያ ንሓርበኛን 7 ግንቦትን፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ካብ ዝርዝር ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ሓኺኹዎም። እዚ ስጉምቲ’ዚ ንሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘጠናኽር ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ካቢነ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጉጅለታት ተነቢሩ ዝነበረ መጸውዒ ቅድም ኢሉ ኣልዒሉዎ’ዩ፣ ከምኡውን ናብ ዛዛሚ ውሳነ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣቐቢሉ’ዩ።

እቲ ፓርላማ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሰለስቲኦም ጉጅለታት ነቲ ካብ ዝርዝር ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ንክሕከኹ ዝጽውዕ ረቒቅ ውሳነ ብሙሉእ ድምጺ ተቐቢልዎ’ሎ።

እቲ ውሳነ ኣብ’ታ ሃገር ንዝራኣይ ዘሎ ሰላማዊ ኣገባብ ከጠናኽር’ዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ’ሎ። ሓደ ኣባል ፓርላማ ምስ’ዚ ገምጋም’ዚ ዝጣዓዓም ሪኢቶ ሂቦም ኣለው።

‘ንፖለቲካዊ ባይታ ምስፋሕን ንዴሞክራሲ ምህዳስን ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ስለዝኾነ ብመንጽር’ዚ ብሰላማዊን ሕጋዊን ኣገባብ ምምራሕን ንህዝቢ ድማ ሰላም ምፍጣር ዝካኣለሉ ባይታ እናጣጠሐ ስለዝኾነ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ’ በሉ እቶም ኣባል ቤት ምኽሪ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንናይ ቀጻሊ ዓመት በጀት ከጽድቖ’ዩ ዝብል ትጽቢት’ውን ኣሎ። 346.9 ቢልዮን ቅርሺ፣ ካብ’ቲ ናይ ሎም ዘበን ብ3 ቢልዮን ቅርሺ ዝወሰኸ ዓመታዊ በጀት’ዩ።

XS
SM
MD
LG