ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲኖ ሙፍቲ ንክፍሊ ትግርኛ ከምዝገለፅዎ እዚ ቅልውላው‘ዚ ምስ ተጀመረ፣ብደረጃ ምንስቴር ወፃኢ ስፍሕ ዝበሉ ምይይጣት ኣካይድና፣ንሓደ ጉጅለ ኣቊምና ኣለና።ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘለው ቤት ፅሕፈት ኤምባስታትና፣ኣብ ግብፂ፣ሱዳን፣ጂቡቲ ኣብ ኲዌይትን ዘለው ኤምባሲታትና፣ብሕልፊ ንኩነታት እቶም ኣብ ሊብያ ዘለው ኢትዮዽያውያን ብትኹረት ንክከታተሉ መምርሒ ወሪዱ‘ሎ ኢሎም።
ናይ ምክትታልን ምዝገባን ስጉምቲ ምስ ተወሰደ፤ኣብ ሊብያ ዘለው ዜጋታትና ንምውፃእ ንዘራረበሉ ኣለና ይብሉ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዝበፃሓናዮ ነገር፣ ከም‘ቲ ትፈልጥዎ ኢትዮዽያ ኣብ ሊብያ ኤምባሲ ስለዘይብላ፣ምስ መንግስቲ ሱዳን ተሓባቢርና፣ኣብ ትሪፖሊ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ከምኡውን ኣብ ቤንጋዚን ኩፍራ ኣብ ዝተባሃለ ፍሉይ ስፍራን ዘለው ቆንፅላ ቤት ፅሕፈት ሱዳን ከይዶም ንክምዝገቡ ኣድራሻን ቁፅሪ ቴሌፎንን ንዝርግሕ ኣለና።ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና‘ውን እናደወሉ ይምዝገቡ‘ለው።ስለዚ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ፣ካብ ካይሮ ልኡኻትና ናብ ሊብያ ክብገሱን ነቲ መስርሕ ከሳልጥዎን ንዜጋታትና ካብ‘ቲ ዝርከቡሉ ፀገም ዝድሕንሉ ኩነታት ንከጣጥሑን ፅኑዕ መምርሒ ወሪዱ‘ሎ ኢሎም እቶም መንግስታዊ ወሃቢ ቃል።
ካብኡ ሓሊፉ፣ሕ/ሃ፣ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላት ስደተኛታትንን ፈተውቲ ሃገራትን ከምዝተባበሩና‘ውን ገሊፆምልና‘ለው።
ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ንምሕጋዝ ኢትዮዽያ ቅርብቲ ድያ ዝብል ሕቶ‘ውን ኣቅሪብናሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዝሃብዎ መልሲ ኣሎ፣
ኣብ‘ዚ እዋን ትኹረት ሂብና ንሰርሓሉ ዘለና ፀገም ኢትዮዽያውያን ንምቅላል‘ዩ።እንተኾነ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ዘይኽእሉ፣ናብ ኤርትራ እንተከይዶም ናብ ፀገም ክወድቁ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ከምዘለው ስለንፈልጥ ክነሕግዞም ኢና።ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ኣፍሪቃውያን‘ውን ክነሕግዞም ኢና ኢሎም ወሃቢ-ቃል ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።ብመሰረት‘ዚ ሓገዝ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ሊብያ ንትደልዩ ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያንን እዘን ዝስዕባ ቁፅሪ ቴሌፎን ናብ ተጠቀምቲ የሕልፉ-
ኣብ ትሪፖሊ ኤምባሲ ሱዳን ቁፅሪ ቴሌፎን 00218-214-775-387
ኣብ ቤንጋዚ ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ሱዳን ቁፅሪ ቴሌፎን 00218-612-238-741
ኣብ ኩፍራ ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ሱዳን ቁፅሪ ቴሌፎን 00218-647-503-011
ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ክጥቀመ ይኽእሉ'ዮም