ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ - ኣዋጅ ቁጽጽር ክራይ ኣባይቲን ምሕደራን ጸዲቑ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ቁጽጽር ክራይ ኣባይቲን ምሕደራን ትማሊ ሰሉስ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጸዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ተኻረይቲ ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ ብውሑዱ ንኽልተ ዓመታት ክነብሩ ዘፈቅድን ኣካራይ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ወሰኽ ክራይ ክገብር ከምዘይኽእልን ዝእዝዝ እዩ።

መንግስቲ ነዚ ኣዋጅ ከውጽእ ዝደረኾ ምኽንያት ወሰኽ ክራይ ኣባይቲ ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ተረጋጊኦም ናብረኦም ከይመርሑ ብምግባር መበገሲ መረረት ብምዃኑ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስተር ተጸዋዒ መንግስቲ ገሊጾም።

እዚ ኣዋጅ ኣብ ከተማታት፡ክልላት፡ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ተግባራዊ ከም ዝኸውን እቲ ኣዋጅ ይገልጽ።

ነዚ ትማሊ 24 መጋቢት 2016 ዝጸደቐ ኣዋጅ ከምዝድግፍዎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ገለ ተካረይቲ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG