ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ ኮንሶ ንሰባት ምቕታሎም፣ ምቑሳሎምን ነበርቲ ገሊፆም


ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ወረዳ ኮንሶ ክልተ ጣቢያታት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፈፂሞምዎ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ከምዝቖሰሉን ኣስታት ሓምሳ ዝኾኑ ድማ ከምዝተኣሰሩን ኣባል ኮሚቴ ወኪላት ኮንሶ እየ ዝብሉ ኣቶ ገመቹ ገንሴ ንቪኦኤ ገሊፆም።

መንግስቲ ብሓይሊ ብረት ንህዝቢ ኮንሶ ንምብርካኽ ዝሓዞ ትልሚ ብግብሪ የርኢ’ሎ ኢሎም ኣለው ኣቶ ገመቹ።ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ምክልኻል፣ናይ ደቡብ ክልል ፍሉይ ሓይልን ፖሊስ ፌደራልን ኣብ ልዕሊ ክልተ ጣቢያታት ፈፂሞምዎ ዝበሉ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም።

‘’ሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዱራይተን ዶኮቴን ዝተብሃላ ክልተ ጣቢያታት ዘሊቖም ኣትዮም’’ ዝበሉ ኣቶ ገመቹ ቶኽሲ ከፊቶም ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ጠፊኡ’ሎ።ሰለስተ ሰባት እውን ብኸቢድ ቆሲሎምን ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ድማ እናተቐጥቀጡ ተኣሲሮምን ኣለው ኢሎም።መልሲ መንግፍስቲ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG