ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን ዕጡቓት ብውሑዱ 56 ስቪላት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ 6 ታሕሳስ 2023 ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ 26 ሕዳር ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፈፂሙዎ ዝበሎ መጥቓዕቲ ን17 ሰባት ምቕታሉም ንካልኦት ሸውዓተ ድማ ምቝሳሉን ሓቢሩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ኣርሲ ዕጡቓት ን30 ሰባት ከም ዝቐተሉ'ውን ናይቲ ኮሚሽን ፀብፃብ ይገልፅ። ብመሰረተ እቲ ፀብፃብ 23ን 24ን ሕዳር ብዝተፈፀሙ ዝተፈላለዩ መጥቓዕትታት 11 ኣባላት ሓደ ስድራ ተቐቲሎም።እቲ መግለፂ ወሲኹ "መንነቶም ብዘይተፈለጡ ኣጥቓዕቲ’’ ኣብ ማንሃሞ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ንዝርከብ ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ብምጥቓዕ ንትሽዓተ ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያን ቀቲሎም ይብል።
መግለፂ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ቡሬ ብዘይስሩዓት ዕጡቓት ጉጅለታት ኣምሓራ 10ን 11ን ሕዳር ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ተቐቲሎምን ተመዛቢሎምን ይብል።
መንግስቲን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብሰንኪ እቲ መጥቓዕቲ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ እኹል ዝኾነ ቕልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዳለወሎምንን ብዘላቕነት ክጣየሱን ተሓታትነት ክረጋገፅን ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ፀዊዖም።
ቅጥዒ