ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 3ተ ኽልታት ኢትዮጵያ፡ ሰባት ተቐቲሎም፡ ገሊኦም ወጻእተኛታት`ዮም


ኣብ ክሊ ጋምቤላ ፓኪስታናውያን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን ክቕተሉ ኸለዉ፡ ኣብ ኸባቢ ኣሩሲ፡ ሙስሊም ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም 4ተ ሰባት ተቐቲሎም፡ ኣብ ክሊ ዓፋር ድማ ሓደ

ኣብ ክሊ ጋምቢላ፡ ኣብ`ቲ ጥቓ ሕርሻ ወጻኢ፡ ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ 4ተ ኢትዮጵያውያንን ሓደ ፓኪስታናውያንን ከምዝተቐተሉ መንግስቲ ይገልጽ። ተቓወምቲ ድማ እቶም ዝሞቱ 11 ከምዝኾኑን፡ ካብኦም 4ተ ፓኪስታናውያን ከምዝሞቱን ይገልጹ።

ኣብ ክሊ ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ፡ ካብ ጸሎት ዓርቢ ዝምለሱ ዝነበሩ ሙስሊም ምስ ፖሊስ ታጋጭዮም 4ተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣብ ክሊ ዓፋር ድማ፡ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ፖሊስ ከምዝተቐተለ ምንጭታት ሓቢሮም፡ መንግስቲ ግን ኣሉታ ሂብሉ`ሎ።

ንኹሉ ጸብጻብት ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ስምዑ፡

XS
SM
MD
LG