ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድሚ ኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ኒኮለስ ኔግሮፖንቴን ማት ኬለርን ኣብ ክልተ ይትረፍ‘ዶ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክውንና፣ንምንባብን ምፅሓፍን‘ኳ ጓና ዝኾና ገፀራት ኢትዮዽያ ኣትዮም፣ሕሹግ ካርቶናት ኮምፕዩተር ገዲፎም ተሰወሩ።

እቶም ቆልዑ "ኣብ ውሽጢ ደቃይቅ፣ሓቀይ‘የ ኣብ ውሽጢ ደቃይቅ፣ ኣለልየምዎ።ነቲ ካርቶን ከፊቶም፣ነተን ኮምፕዩተራት ወሊዖመን፣ንሓባሪ ምልክታት ብምጥዋቅ ክነኻኽኡወን ጀሚሮም።ኣብ ውሽጢ ሰሙን፣ ንኣጠቃቅማ‘ቲ ኮምፕዩተር ብዝያዳ ፈሊጦም።ንሕና ዘይተፀበናዮ ኣጠቃቅማ ቴክኖሎጂ እውን ከይተረፈ ክፈልጡ ኪኢሎም።ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፣ ደብፃቤ ብእንግሊዘኛ ምፅሓፍ ጀሚሮም።ስለዚ እቶም ህፃናት ነብሶም ኪኢሎም ምፅሓፍን ምንባብን ፈሊጦም" በለ ጋሻና።

“ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ናብ ሓደ ቤ/ትምህርቲ ኣቲየ፣ንርእሰ-መምህር‘ታ ቤ/ትምህርቲ፣ነዚ ላፕቶፕ እዚ ክፈልጥ ዝኽእል ሓደ ንፉዕ ተማሃራይ ኣምፀአለይ ኢለዮ።ካብኡ ንሓደ ወዲ ትሻዓተ ዓመት ተማሃራይ ኣምፂኦምለይ።እቲ ቆልዓ፣ነታ ላፕቶፕ ምስ ሃብኩዎ፣ካባይ ኣስታት ሚእቲ ሜትሮ ፈንተት ኢሉን ተኸዊሉን፣ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይቅ፣ በታ ላፕቶፕ ገይሩ ናብ‘ታ ዝሓዝኩዋ ላፕቶፕ ደዊሉለይ።ሓቂ ንምዝራብ፣ኣነ ንባዕለይ ከምኡ ከምዝግበር‘ውን ኣይፈልጥን ነይረ።ኣብ ኩባንያና ዝሰርሑ ኪኢላታት‘ውን ከምኡ ከምዝግበር ኣይፈልጡን ነይሮም።እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብርን ትሻዓተ ዓመት ዝዕድሚኡን ህፃን‘ዩ ካብ ላፕቶፕ ናብ ላፕቶፕ ምድዋል ከምዝካኣል ኣቀዲሙ ዝፈለጠ”ይብል ማት ኬለር።

ንሙሉእ ቃለ-ምልልስ‘ዚ ዘስደምም ታሪኽ፣ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ብምጽቃጥ ተኸታተሉ፣

XS
SM
MD
LG