ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋና፣ኬንያን ኢትዮጵያን ንኢንቨስትመንት ኣሜሪካ ምቹዋት'የን ተባሂሉ


ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራት መገሻ ፈፂሙ

ኢትዮጵያ ኬንያን ጋናን ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ማሕበርሰብ ንግዲ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ምቹዋት’የን ኢሎም ልኡኽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስ ስካት ኣይዝነር ኣብ መጀምሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መጋቢት ተበግሶ ንግዲ ኣፍሪካ ንዝተባሃለ ጉጅለ መሪሖም ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ መገሻ ፈፂሞም ኣለው።ንሶም ኩለን ሃገራት ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ ናይምፍጣር ዓቕሚ ከምዘለውን ይገልፁ።

ዓቅሚ’ዘን ሃገራት፣ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ዘይተመዝመዘ ስለዝኾነ ብዙሕ መኽሰብ ዘርክብ ናይ ኢንቨስትመንት ቕሙጥ ዓቕሚ ከምዘሎ ኣይዝነር ይዛረቡ።ኩባንያታትን ናይ ውልቂ ትካላት ንግድን ኣብ ኢስያ ዘሎ ኢንቨስትመንቶም ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ይዓቢ ከምዘየሎ ይሪኡ ስለዘለው ኣብ መሰረተ ልማዓትን ኣብ ናይ ሕርሻ ኢንድስትሪን ኢንቨስት ክገብሩ ከምዝኽእሉን ካልኦት ዘይረኽብዎ መኽሰብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉን ይገልፁ።ኣስዒቦም ድማ ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስት ምግባር እዋኑ ሕዚ እዩ ይብሉ።

ኩባንያ ካርጊል ኣብ ጋና ናይ ኮካ ፋብሪካ ምኽፋቱ ኣይዝነስር ምስ ሓበሩ ኩባንያ ሰራሒ ነፈርቲ ቦይንግ ናይ ብሪታንያ ኤሮስፔስን ካልኦት ኩባንያታትን ኣብ ምምሕያሽ መዕረፎ ነፈርቲ ተዋፊሮም ኣልው።

ኣይዝነር ብዙሕ ክስራሕ ከምዝኽእል ይገልፁ።ሳላ ኣብ ቀረባ ዓመታት ነዳዲ ስለዝረኸበት ጋና ትውንጨፍ ዘላ ከተማ ኢሎም ይገልፅዋ።


ኢንቨስተራት ኣብዝቕፅል ዓመት ምርጫ ናብ እተካይድ ኬንያ’ውን እናመዓደው እዮም።ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተኻየደ ምርጫ ነታ ሃገር ኣብ ህውከት ኣእትዩዋ ምንባሩ ይዝከር።ንቶም ክልተ ላዕለዎት ተንሓናሕቲ ዝሓወሰ ናይ ጥምረት መንግስቲ ምርግጋእ ዘምፅአን ኢንቨስትመንት ዝስሓበን ምምሕያሽ ኣካይዱ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይብሉ ኣይዝነር ን90 ሚሊዮን ዓማዊል ዝኸውን ናይ ዕዳጋ ዕድል ሓዊሱ ትሑት መጠን ግዕዝይናን ሰሓባይ ናይ ኢንቨስትመንት ሃዋህውን ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኢንቨስተራት ከምዝሰሓበ ይገልፁ።

ትካላት ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ሰንሰለት ቀረብን ንግዲ ሕርሻን ብነዊሕ እናጠመትዎ እዮም።እቲ ኣድማስ ዕድል ህንፀት መንገዲ ሓዊሱ ካብ መሰረተ ልምዓት ጀሚሩ ቀረብ ጎማ ምስ ዓበይቲ ናይ ተኽሊ ኣተሓሕዛ ትካላት ይኽይድ’ውን ኢሎም።

ገለ ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ንሰደድ ዝኸውን ምግቢ ንከፍርዩ ናይ ሕርሻ መሬት ተኻሪዮም ኣለው።እንተኾነ’ውን ይብሉ ኣይዝነር ናይ ኣሜሪካ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ገንዘቦም ብምውፋር ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት ብምቑፃር ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዝጥቀሞ ፍሪያትን ናይ ካልኦት ከባቢታት ዓለም ናይ ምግቢ ዕዳጋ ድልየት ኣብዘማልእን ስራሕ ከምዘተኩሩ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG