ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዶብ ኬንያ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ልዕሊ 20- ሰባት ከም ዝተቀትሉ ፖሊስ ኬንያ አፍሊጡ


ኣብቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሰንኪ መሬት መገሃጫን ምዝማት ኸፍቲን ዝተላዕለ ጎንፂ ልዕሊ 20- ሰባት ተቃቲሎም ናብ 50- ሰባት ኸአ አበይ ከምዝአተዉ አይተፈልጠን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ኣባላት ነገድ መሪለ ኣብቲ ከባቢ ደሰነች ተባሂሎም ዝፍለጡ'ዮም ክብሉ መሓውራት ዜን ኬንያ ሓቢሮም።

ብፖሊስን መሓውራት ዜናን ኬንያ ዝተገልፀ ሓበሬታ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን'ዩ።

ሓደሓደ መሰኻኽር ከምዝበልዎ ኢትዮጵያውያን'ውን ዝሞቱ ከምዘለው ብሓፈሻ በቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ልዕሊ 42- ሰባት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለፂ የለን። ብሰንኪ መገሃጫን ምዝማት ኸፍትን ዝፍጠር ጎንፂ ኣብቲ ከባቢ ዝተለምድ'ዩ።

XS
SM
MD
LG