ሓባራዊ ኣኼባ ኢትዮዽያን ኬንያን ሓለዋ ንምጥንኻርን ንካልኦት ኣጀንዳታትን ኣልዒሉ መኺሩ‘ሎ ይብሉ ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ።
ምንስትር ወፃኢን ምክትል ቀ/ሚን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ኣካል‘ቲ ፀገም ማሕበረ-ሰብ ሰበኽ-ሳግም፣ነቲ ዛጊድ ሕፅረት ዘለዎ ማይን መዋፈሪ ጥሪትን ስለዝቀዳደሙ ምኳኑ‘ውን ይገልፁ።
”ፀጥታ ናይ ዶብ ምስ ምምንጣል ፀጋታት ጥራሕ ኣይተኣሳሰርን።ንመዋእል ዝፀንሐ‘ምበር ሓድሽ ዝተፈጥረ ፀገም ኣይኮነን።ግጭት ኣብ ሞንጎ ዓሌታትን ሰበኽ ሳግምን ክልቲኡ ወገን’ውን ዝፀንሐ‘ዩ” ይብሉ ኣቶ ሃይለማርያም።
ኣብ ከባቢ ዶብ ዘጓነፈ ግጭት ግና፣ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሓድሽን ጥዑይን ዝምድና ንክፍጠር ዕድል ፈጢሩ‘ዩ።ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ዓመት ምትእጉጓል፣ሓባራዊ ኮምሽን ዶብ ኬንያን ኢትዮዽያ ስሩዕ ኣኼባ ንክህልዎ ተወጢኑ‘ሎ።ናይ ክልቲኤን ሃገራት ምዕባለ፣ፀጥታን ምትሕግጋዝን ንክዝተየሉ ከምመድረኽ ኮይኑ ከገልግል‘ዩ።
ኣብ ካልኦት ዘፈራት ንክተሓጋገዛ'ውን ወጢነን