ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ሎማዕንቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ


ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ
ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ
ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።ጠበቓ ኣብ ልዕሊኡ ዘቕረቦ ክሲ ዳግማይ መብርሂ ንኽህብ ብዝተሓተቶ መሰረት መብራህርሂ እንትህብ እስክንድ’ውን ንዓርሱ ናይ ምክልኻል ዕድል ረኺቡ’ሎ።

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣንዱኣለም ኣራጌን ካልኦት ክልተ ኣባላት ተቓወምትን ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።ኩሎም ብሕጊ ምስ ዝተኣገደ ተቓዋሚ ጉጅለ ጉንበት ሸውዓተ ርክብ ኣለዎም ብዝብልን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተኻየደ ዓይነት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ ፈቲኖም ብዝብሉን ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦም ክስታት ሽብር ገበነኛታት ተባሂሎም ተኣሲሮም ይርከቡ።

እስክንድር ነጋ 18 ዓመታት ማእሰርቲ እንትፍረዶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ድማ ዕድመ ምሉእ ማእሰርቲ ተፍሪዱዎ።

ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ውዕሎ መጋባእያ ጠበቓ ሕጊ ኣበበ ጉታ ንቶም ካልኦት ብምውካል እንትከላኸል እስክንድር ነጋ ግን ንዓርሱ ተኸላኺሉ’ሎ።

ጠበቓ ኣበበ ጉታ ብዛዕባ ዝቐረቡ ክስታት ሽብር መብርሂ ንኽህብ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ንዓቃቢ ሕጊ ምሕታቱ ተስፋ ሂቡኒ’ሎ ይብሉ።ውሳነ እቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሕግን ሓቅታትን ዝተመስረተ ኣይነበረን ዝብለኡ ኣቶ ኣበበ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕግን ንዝቐረቡ መርትዖታትን ብዕምቆት ምምርማሩ ሕጉሳት ኢና ኢሎም።ብምስዓብ።’’ንዓማዊልና ዝጥዕም ውሳነ ክውስን ይኽእል፤ነፃ ክሰዶም ወይ ድማ ቅፅዓቶም ክንክየሎም ይኽእል እዩ።’’

ብመሰረት ኣብ ኒወዮርክ ዝመደብሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲ.ፒ.ጀይ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ካብዝተኣሰሩለን ዓሰርተ ሃገራት ሓንቲ እያ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ሽመልስ ከማል ግን ጠቐነ እዩ ይብሉ።
XS
SM
MD
LG