ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ብሎገራትን ጋዜጠኛታትን ተኣሲሮም


ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ህውከት ንምፍጣር ምስ ወፃኢ ትካላት ሰሪሖም ክብሉ ንዝኸሰሱዎም ትሽዓተ ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ኣሲሮም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝፅሕፉ ሽዱሽተ ብሎገራትን ሰለስተ ጋዜጠኛታትን መንበሪ ገዛውቶም ድሕሪ ምፍታሹ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብፖሊስ ተኣሲሮም ኣለው።ትማሊ ሰንበት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብ social media /ማሕበራዊ መራኸቢ/ ኣቢሎም ህዝባዊ ዓመፅ ንምልዕዓል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢሉ ንባዕሉ ምስ ዝፅውዕ ጉጅለ ተሰማሚዕኹም ተባሂሎም ኣለው።
ሊሊ የቆየ ናይ ቀረባ መሓዛ ሓደ ካብቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት እያ።ናብቲ ዝተኣሰረሉ ምግቢ ሒዛ እንተኸደት እውን ክትሪኦ ከምዘይተፈቐደላ ትገልፅ።

ተስፋኣለም ወልደየስ ናይ ዝተብሃለ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ጎረባይ ዝኾነት ጋዜጠኛ ፅዮን ግርማ ተሽዓተ ስቪል ዝተኸደኑን ክልተ ፖሊሳትን ንተስፋኣለም ሒዞምዎ ክኸዱ ከለው ኣብኡ ከምዝነበረት ትገልፅ።ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ጋዜጠኛ እምበር ፖለቲካዊ ተንቀሳቓሲ ከምዘይኮነን ትዛረብ።

እቶም ብሎገራት ‘’Zone 9’’ ማለት እውን ‘’ዞባ ትሽዓተ’’ ብዝብል ናይ ሓባር ሽም ይፍለጡ።ናይ ማሕበረሰብ ናይ ፖለቲካን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ኣልዕሊሎም ኣብ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸብን ዕላምኦም ዘሰጉሙ ትሽዓተ መናእሰይ ዘጣየሽዎ ጉጅለ ምዃኑ ኣብ ወፃኢ ሃገር ብምናብሮም ዘይተኣሰሩ ክልተ ይገልፁ።ሶሊያና ሽመልስን እንዳልካቸ ሃይለሚካኤልን እቲ ዘይስሩዕ ዝበልዎ ጉጅለ ካብ ዝጣየሽ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ካልኣይ ዓመቱ ምዃኑ ይገልፁ።ንሃገርና የገድስዩ እዩ ካብ ምባል ንሃገር ንምህዋኽ ይኹን ሕጋዊ ኣብዘይኮነ ስራሕ ስለዘይኣተው ኣባላትና ክፍትሑ ንፅውዓ ኣለና እውን ኢሎም ክልቲኦም።

ኣባልት እቲ ጉጅለ ምፍርራሕ ይበፅሐና’ሎ ክብሉ ምንቅስቓሶም ጠጠው ኣቢሎም እንተነበሩ እውን ናይ መርበብ ሓበሬታ ስትሖም ዳግም ከምዝጅምሩ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጦም ነይሮም።
ጉዳዮም ንሸውዓተ ግንቦት 2014 ኣ/ፈ ተቖፂሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ 40 ዝኾኑ ደገፍቲ ሰማያዊ ፓርቲ ናይዝተብሃለ ተቓዋሚ ውድብ ትማሊ ሰንበት ንዝተኻየደ ሰልፊ ከለዓዕሉ ከለው ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ተኣሲሮም።
ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ሓዊሱ 12 ተፈቲሖም ኣለው።28 ኣባላቶም ሕዚ እውን ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ኣቶ ይልቃል ይገልፁ።

ከምዚ ብምባል ‘’ሰልፊ ንምክያድ ንምብርባርን ፅሑፋት ንምብታንን ኣብዝፈተናሉ እዋን እዚ ሰልፊ እዚ ሕጋዊ ንምዃኑ ሓበሬታ የብልናን ብዝብል ፖሊስ ክፍለ ከተማ ከልኪሉናን ደሪቱናን።’’
እቲ ሰልፊ ንምክያድ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ከምዝተውሃቦ ሰማያዊ ፓርቲ ይገልፅ።
ከም ኣምንሰቲ ኢንተርናሽናል ዝበሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ካሊእ ዘተሓሳስብ ምንክልባት ነፃ ድምፅታት ክብሉ ነቲ ማእሰርቲ ነቒፎምዎ ኣለው።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዝኾነ ይኹን ምንክልባት ዝብሃል ከምዘይተኻየደን እቶም ዝተኣሰሩ ብገበን ዝጥርጠሩ ምዃኖምን ሓቢሮም።

‘’ሓደ ሰብ ብቲዊተር ወይ ፌስቡክ ተባራዒ ሪኢቶ ብምሃቡ ጋዜጠኛ ኣየብሎን’’ኢሎም።ጋዜጠኛታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ገበን እንተተሳቲፎም ክምርመሩን ክእሰሩን እዮም እውን ኢሎም ብምውሳኽ ኣቶ ጌታቸው ረዳ። ኢትዮጵያ ዝቕፅል ዓመት ግንቦት ሃገራዊ ምርጫ ክተካይድ እያ።ናይ 2010 ኣ/ፈ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብሎገር እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዙሓት ተኣሲሮም ነይሮም።
XS
SM
MD
LG