ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰንደቅ ብዛዕባ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ብዝፅሓፎ ዜና ብፖሊስ ፌደራል ምርመራ ተገይርሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ‘’ሰንደቅ’’ ብዛዕባ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ዜና ብዝፅሓፉ ብፖሊስ ተኣሲሩ ከምዝተመርመረ ተፈሊጡ።ናይ ትማሊ ረቡዕ ማእሰርቲ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፅሓፈ ዜና ተደሪኹ ብምዃኑ ምግራም ፈጢሩ’ሎ።

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ዋና ኣሰናዳእን ሰሙናዊት ጋዜጣ ‘’ሰንደቅ’’ ፍሬው ኣበበ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ስም ቀዳማዊት እመቤት ነበር ኣፀሊምካ ብዝብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ፅሕፈት ናይ ፌደራል ፖሊስ ምርመራ ምርመራ ከምዝተኻየደሉ ኣፍሊጡ።

በከም ገበነኛ ዝተትሓዘሉ ኣገባብን ኣዝዩ ከምዘግረመሉ ይገልፅ።ፌደራል ፖሊስ ብዙሕ ሕቶን ምንጭታቱ ንኽገልፅ ከምዝሓተቱዎን ብናይ ሓሙሽተ ሽሕ ቕርሺ ዋሕስ ቅድሚ ምፍትሖም ምፍትሖም ዓሻርኡን ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታን ከምዘወሰዱን ስእሊ’ውን ከምዘልዐልዎን ኣረዲኡ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ጭምጭምታ ብምፅሓፉ ምርመራ ዝተገበረሉ ጋዜጠኛ እንተሃሊዩ ኣየፈልጥኹን ኢሎም ኣለው።

ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ኣቶ መለስ ዜናዊ ምስዓረፉ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ናብ ቤተ መንግስቲ ንምእታው ብዘፀግም ኩነት ኣይወፅእን ኢለን ንሰሙናት ኣብየን ዝብል ነይሩ ቅድም ክብል ብፍሬው ኣበበ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ።

ፖሊስ ፌደራል በቲ ፅሑፍ መረረ ዘስምዐ ሰብ ምህላው ብምሕባር መን ምዃኑ ግን ንምግላፅ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ፍሬው ኣበበ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝተፀውዐሉ እዋን ምኽንያት መፀውዒኡ ከምዘይተነገሮን ጠበቓ ንምርካብ ዕድል ከምዘይረኸበን ብምግላፅ ብናይ መንግስቲ ስጉምቲ ከምዘይደናገፅ ሓቢሩ።’’ከም መጠን ጋዜጠኛ ትኽክለኛን ኣብ ሓቂ ዝተመስረተን ዜና ምዃኑ ክጥንቀቖ ከምዘለኒ ስለዝፈልጥ ካብ ስርሐይ ዝዓግተኒ የለን’’።

ዓቀብቲ ሕጊ እኹል መርትዖ እንተሃሊዩ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝወስድዎ ገሊፆም ኣለው።
ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘለው ናይ ውሽጢ ጋዜጠኛታት ናይ ምዝራብ ነፃነትቶም ኣብ ምሕላው ዝተሓተ ታሪኽ ከምዘለዋ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።
እስክንድር ነጋ ናይ 18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ህንፀት ይርከብ።


እቲ ዜና ኣብዚ የድምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:19 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG