ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ከም ናይ ግብፅን ቱንዝያን ዓይነት ናዕቢ ክተለዓዕል ፈቲንካ ብዝብል ምንክልባቱ ይገልፅ


ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ከምዝገለፆ ሽዱሽተ ብረት ዝተዓጠቑ ፖሊሳት ካብ መኪና ብምውራድ ውዑይ ምንቅስቓስ ካብ ዘለዎ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ሒዞም ኣብዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌደራል ከምዝወሰድዎ ይዛረብ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካ ምስ ዘጋጠመ ናይ ህዝቢ ዓመፅ ስለዘወዳደርኩ ብፖሊስ ፌደራል ተኣሲረን ተንከላቢተን ክብል ገሊፁ።ኣምነስቲ ኢንተርናሽና ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኑዎ።

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ከምዝገለፆ ሽዱሽተ ብረት ዝተዓጠቑ ፖሊሳት ካብ መኪና ብምውራድ ውዑይ ምንቅስቓስ ካብ ዘለዎ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ሒዞም ኣብዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌደራል ከምዝወሰድዎ ይዛረብ።

ኣብ እዋን ናይ ክልተ ሰዓታት ማእሰርቲ ኣብ ቅድሚ ሽሞም ዘይገለፁ ምኽትል ኮምሽነር ፖሊስ ከምዝቐረበን ምንቅስቓሳቱ ቀስቃሲ ዓመፅ ከምዝኾነ ከምዘጠንቀቕዎን እስክንድር ይገልፅ።

ሰበ ስልጣን ፖሊስ ፌደራል ድምፆም እናተቐረፀ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ክዛረቡ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።ክልተ ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፅሕፈት እቶም ምኽትል ዳይረክተር ምስከዱ ግን ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፖሊሳት ንእስክንድር ነጋ ከምዘይኣሰርዎ ሚእቲ ብሚእቲ ርግፀኛ እየ ኢሎም።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም።እንተኾነ ግን እስክንድር ነጋ ከም ፀረ መንግስቲ ፖለቲካዊ ተንቀሳቓሲ እምበር ከም ጋዜጠኛ ከምዘይሪኢዎ ሓቢሮም።

ፅሑፋት እስክንድር ነጋ ብሓፈሻ ፀረ መንግስቲ መርገፂ ኣብ ዘለዎም ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ መርበብ ሓበሬታታት ይወፁ።voanews.com ሓዊሱ እቶም መርበብ ሓበሬታታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓፅዮም እዮም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣንምነስቲ ኢንተርናሽናል ቀደም ናይ ሕልና እሱር ኢሉዎ ዝነብረ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተውሃቦ መጠንቀቕታ ኮኒኑዎ።እቲ ሎማዕንቲ ዝወፀ መግለፂ ከምዝሓበሮ እስክንድር መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዃሳሕቲ ዝብሎም ፅሑፋት ንኸይፅሕፍ ኣጠንቂቐምዎ ይብል።ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እስክንድር ነጋ ናይ ማእሰርቲ ወይ’ውን ኣካላዊ ጉድኣት ክበፅሖ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG