ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ኣብ ጎድኒ ዓቃቢ-ሰላም ሶማልያ ኮይና ከምትዋጋእ ኣፍሊጣ


ሰራዊት ኢትዮዽያ
ሰራዊት ኢትዮዽያ
ኢትዮዽያ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ናብ ዝወፈረ ዓቃቢ-ሰላም ከምትፅምብር ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

እቶም ቀ/ሚ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን‘ዮም ነዚ መደብ‘ዚ ገሊፆም።ኣብ ሶማልያ ንዝንቀሳቀስ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንምሕቃቅ ኣብ ዝተጀመረ ውግእ ክንሕወስ ኢና ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ኣብ ዘረበኦም፣ካብ ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ሓድሽ ስግኣት ይቀላቀል‘ሎ፣ኢትዮዽያ ድማ ከምመልሰ-ግብሪ ኣብ ኩሎም ፅፍሕታት ወፍሪ ክትሳተፍ‘ያ ይብሉ።

ንኢትዮዽያ ሓድሽ ዘንፀላለወ ስግኣት ፈጠርቲ ራዕዲ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ቀ/ሚ፣ወፍሪ ፀረ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜን ኣብ ኩሎም ኩርናዓትን ክካየድ ምኳኑ ጠቂሶም።

በዝሒ ኣብ ሶማልያ ዝወፈረ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕ/ሃን ኣስታት 17 ሽሕ‘ዩ።ካብ ኡጋንዳ፣ቡሩንዲ፣ኬንያ፣ጂቡቲን ቡርኪናፋሶን ዝተላኣኹ ዓቀብቲ ሰላም ከምኡውን ናይጀርያን ጋናን ሓይሊ ፖሊስ ከምዘዋፈሩን ምዃኑ ይፍለጥ።
XS
SM
MD
LG