ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዓራብሳት ዘመሓላልፎ ፕሮግራማት፡ ኢትዮጵያ ትዕፍኖ`ላ ክብል ከሲሱ፡ ሕጋዊ ስጉምቲ`ውን ክወስድ`የ ይብል ኣሎ


Arabsat ፕረሲደንት Mr. ኻልድ ባልካየር ነቲ ዜና ንምርግጋጽ ወይ ኣሉታ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮኑን

ብሉምበርግን ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮምን ዝተባህሉ ምንጭታት ዜና ከምዝሓበርዎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ርያድ ዝመደበሩ Arab Sattalite communications, ኢትዮጵያ ንፕርግራማት ካብ ምዕፋን ክትቁጠብ ኣሰሚዑ`ሎ።

ነዚ ብኤርትራ ዝቐረበ ክሲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ሕቶ፡ ኣይተሳኽዐን። ብኻልእ ወገን፡ ናብ ርያድ ደዊልና፡ ንናይ Arabsat ፕረሲደንት Mr. ኻልድ ባልካየር እንተረኸብናዮም`ኳ፡ ርክብና መንግስቲ ምስ መንግስቲ እንተዘይኮነ፡ ብምባል፡ ነቲ ዜና ንምርግጋጽ ወይ ኣሉታ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

ናይ Arab Sattilite communication ፕረዚዳንት ካሊድ ባልካየር`ዮም፡ መንግስት ምስ መንግስት ብዝግበር ርክብ እንተዘይኮይኑ፡ ርኢቶ ኣይንህብን ብምባል፡ ካብ ተወልደ ወልደገብሬል ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝመለሱ። ኣብ ዝቕጽል ተኸታቲልና ንምቕራብ ክንፍትን ኢና።

ድምጺ ኣብ ምልክት ድምጺ ኣሎ

XS
SM
MD
LG