ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርዝር ሕጊ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኢትዮጵያ ምውፅኡ ተፈሊጡ


ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኢትዮጵ ትካላት ኣፍረይቲ መሰረታዊ ቀረባት ስርሖም ደው ምባልን ዕንቅፋት ምፍጣርን ዝተኸልክለ ምዃኑ ዋና ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ሓዱሽ ናይ ኮምኒኬሽን ስርዓት ከምዝዝርጋሕ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ዋና ዓቃቢት ሕጊ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁጽ ግዜ ዘፈፅም ስርዓት ብዝርዝር ኣረዲኣን ኣለዋ።እቲ መምርሒ ከልካሊ ፣ግዴታ ዘቐምጡ፣ ሓላፍነት ዘቐምጡን ዝተፈላለዩ ሕግታት ዝብሉ ኣርባዕተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ፈላማይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ኣካል ክገብሮ ዘይብሉን ዘለዎን ይዝርዝር።እቲ ኻልኣይ ነቲ ዝተባህለ ዘይፍፅም ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑ ወይዘሮ ኣዳነች ይገልፃ።ብሳልሳይ ደረጃ ዝተቐመጡ ዝርዝር ነገራት ኣፈፀምቲ ኣካላት ዝውስን ክኸውን ከሎ ራብዓይ ክፍሊ ድማ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ዝምልከት እዩ።

እገዳ ካብ መንጎ ዝተቐመጠሎም ተግባራት ክገልፃ ከለዋ ‘’ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ትካላት ሕክምና፣ ቴሌኮምኒኬሽን፣ባንክታት፣መግቢ ዘቕርቡ ትካላት፣ፋብሪካታት፣ናይ ፅርየትን ሓለዋን ኣገልግሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታትን ትካላትን፣ናይ ደረቕን ፈሳሲን ኣገልግሎት መጎዓዚያ ዝህቡ፣ኣገልግሎት ሕርሻ፣ኣፈረይቲ ኢንዱስትሪታትቲ፣ናይ ህንፀት ፕሮጀክትታት ምቁራፅ፣ዕንቅፋት ምፍጣር፣በዚ ደንቢ መሰረት ዝተኸልክለ እዩ’’ ኢለን።

ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ እገዳ ቁጠባዊ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ምዃኑ ወ/ሮ ኣዳነች ሓቢረን።ኮቪድ-19 ዘይኮነስ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ዘውረዶ ሽግር ክንዋጽኦ ዘይንኽል ስለዝኾነ ኮቪድ-19 ንምግጣም እትዋት ዘፍርዩ ደውው ከይብሉ ንምሕጋዝ እዩ ኢለን።

ምንጭታት ሓበሬታን ዝርግሕኦምን እውን እገዳ ተገይሩሉ ኣሎ።ብመሰረት ወ/ሮ ኣዳነች ምስቲ ሕማም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ናይ ሓሶት፣ዘይትረጋገፁ፣ምንጮም ተኣማኒ ዘይኮነን ዘይፍለጡን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ስነ ኣእምሮ ቅልውላው ምፍጣር፣ካብቲ ዝግብኦ ምግዛፍ ወይ ኣንኢስካ ምቐራብ ዝተኸልከለ ምዃኑ ብምግላፅ ሓዱሽ ናይ ሓበሬታ ስርዓት ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከብ ገሊፀን።ብዛዕባ ኮቪድ-19 ሓበሬታን ትንተናን ዝህብ፣ኣፈፃፅምኡ ንህዝቢ ሪፖርት ዘቕርብ በብክልሉን መሓውር መንግስትን ኮሚቴ ክጣየሽ እዩ።ካብዚ ወፃኢ ትንተናን ሓበሬታን ምሃብ በዚ መምርሒ መሰረት ዝተኸልከለ እዩ ኢለን።

እገዳ ካብዝተገበረሎም ጉዳያት ሓደ ምትእኽኻብ ካብ ፓርቲ ክሳብ እድር፣ካብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ክሳብ ስፖርታዊ ምትእኽኻባት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝተነብረ እገዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ክሓርሳ ይግደዳ ከምዘለዋ ሰራሕተኛታት ጥዕና ይገልፁ ኣለው።

XS
SM
MD
LG