ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ትምህርቲ ኣወልያ ክዕፆ እዩ ዝብል ፀብፃብ ዝተጋገየ እዩ ይብሉ ሓደ ሓላፊ


እዞም ትካላት እዚኦም ሎሚ ዝተዓፀው ከምዘይኮኑን ካብቶም ተዓፂዮም ዝበሃሉ ዘለው እንተኾነ’ውን ንቤት ትምህርቲ ኣወልያ ከምዘይምልከትን ላዕለዋይ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኤጀንሲ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ማሕበራትን ኣቶ ኣሕመድ ሰይድ ገሊፆም።
ኣብ ከባቢ 2003 ዓ/ም ንኣወልያ ይሕግዝ ዝነበረ ዓለምለኸ ትካል እስላማዊ ረድኤት ዝተብሃለ ናይ ወፃኢ ትካል ከምዝተዓፀወን ምስ ኣወልያ ተኣሳሲሩ ይውረ ዝነበረ ወረ ዝተጋገየ ምዃኑን ኣቶ ኣሕመድ ሓቢሮም።ኣወልያ ኣይተዓፀወን ኢሎም ብምውሳኽ።
እቲ ብጋዜጣ ሪፖርተር ቤት ትምህርቲ ኣወልያ ተዓፅዩ ዝብል ፀብፃብ ዝተፃረየ ሓበሬታ ካብዘይምሓዝ ብብጌጋ ዝወፀ ምዃኑ እዮም ዝሓበሩ ኣቶ ኣሕመድ።
ቅድም ክብል ገበርቲ ሰናይን ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ስራሕቲ ሓዋዊሶም ይሰርሑ ስለዝነበሩ ኣብ 2001 ዓ/ም ብዝወፀ ኣዋጅ ግን ሃይምኖትን ናይ ልምዓት ስራሕትን ፈሊዩ ዘቐመጠሉ ኩነታት ስለዝነበረ ኣብ ዳግማይ ምዝገባ ተፈላልዮም ክምዝገቡ ነይሩዎም ኢሎም።
ዓለምለኸ እስላማዊ ትካል ረድኤት ብደረጃ ዓለም ዝተጣየሸ ስለዝኾነን መተሓዳደሪ ደምቦም ሃይማኖት ኣብ ውሽጡ ሒዙ ስለዝነበረ ሃይማኖትን ረድኤትን ፈላሊዩ ንክኸይድ ሕቶ ቐሪቡሉ ንምእራም ኣይተጠቐመሉን ስለዚ ተዓፅዩ ኢሎም።ማእኸል መፅናዕትን ምርምርን ግን ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ጉባኤ ጉዳያት ምስልምና ምስ ዝሰርሖ ስራሕ ተመሳስልነት ዘለዎን ሃይማኖታዊ ስራሕቲ ይሰርሕ ስለዝነበረ፤ጉባኤ ጉዳያት ምስልምና ድማ እዞም ስራሕቲ እዚኦም ናተይ እዮም ስለዝበለን ናይ ካልኦት ትካላት ዕላማታት ክሰርሕ ስለዘይብሉን ክእገድ ክኢሉ።’’
ኣቶ ኣሕመድ መንግስቲ ነዞም ትካላት እዚኦም ዝዓፀዎም ምስ ኽፋል ኣባላት ማሕበረ ሰብ ሙስሊም ብዝፈጠሮ ፍጥጥ እዩ ንዝብል ናይ ተቓወምቲ ነቐፌታ ኣሉታ ሂቦምሉ።
XS
SM
MD
LG