ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙስሊም ማሕበርሰብ ኢትዮጵያ ምርጫ ከካይዱ እዮም


እቲ ምርጫ ሕዚ ብዘሎ ኣመራርሓ እንድሕር ተኻይዱ ኣይንቕበሎን ይብል ቅሬታ ከቕርብ ዝተጣየሸ ኮሚቴ

ንኹሉ ሙስሊም ህዝቢ ብቐጥታ ዘሳተፈ ምርጫ ንምክያድ ናይ ግዜ ሰሌዳ ምውፅኡ ናይ ኢትዮጵያ ዑላማታት ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።ናይ ሙስሊም ማሕበርሰብ ቅሬታ ንምቕራብ ናይ ዝተጣየሸ ኣካል ዋና ኣካቢ ዝኾኑ ኣቡ በክር ኣሕመድ መሓመድ ግን እቲ ምርጫ ሕዚ ብዘሎ ኣመራርሓ እንድሕር ተኻይዱ ከምዘይቕበልዎ ገሊፆም።

ኣባላት ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ዑላማታት ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣቢሎም ኣብዝሃብዎ መገልፂ ምርጫ መራሕቲ ሃይምኖት ምስልምና ዝካየድ ካብ ጣቢያ ክሳብ ሃገር ለኸ ኣብዘለው ብርክታት እዩ።ብደረጃ ጣቢያ 21 ነሓሰ፡ብደረጃ ወረዳ 25 ነሓሰ፡ብደርጃ ዞባ ነሓሰ 28ን ብደረጃ ክልል ሓደ ጳጉሜን ምርጫ ንምክያድ ናይ ግዜ ሰሌዳ ምውፅኡ ኣፍሊጦም ኣለው።ብደረጃ ሃገር ድማ 5 መስከረም 2005 ዓ/ም ከምዝካየድ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

ነቲ መግለፂ ዘቕረቡ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ዑላማታት ኢትዮጵያ ሸኽ እዘዲን ዓብዱል ዓዚዝ ሙስሊም ማሕበርሰብ ኣብቲ ምርጫ ንኽሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ናይ ሙስሊም ማሕበርሰብ ቅሬታ ንምቕራብ ዝተመስረተ ኮምቴ ኣካቢን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኣቡ በኪር ኣሕመድ መሓመድ ግን እቲ ምርጫ ብቤት ምኽሪ ዑላማ መተሓባባራይነት ዝካየድ ብምዃኑ ኣይንቕበሎን ኢና ኢሎም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ኡላማታት ቤት ምኽሪ እቲ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ዘበለ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፁ’ሎ።ነቲ ምርጫ ከካይዱ በቢ ደረጅኡ ዝምደቡ ኣካላት እውን እቲ ህዝቢ ብግልፅን ብቐጥታን ከምዝመርፆም ሸኽ ኢዘዲን ኣብዱ ዓዚዝ ተዛሪቦም።እቲ ምርጫ ነፃን ዴሞክራሲያዊ ከምዝኸውን’ውን ወሲኾም ኣረዲኦም።

እቲ ምርጫ ዝካየድ ፈቐዶ ጣብያታትን ወረዳታትን ኣብ ዝርከቡ ናይ ምምሕዳር ቦታታት ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ እንትገልፅ ኣቡ በክር ኣሕመድ መሓመድ ግን መራሕቲ እምነት ኣብ መሳጊድ ክምረፁ ኣለዎም፡ኣብ ጣቢያ ዝብል ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG