ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት መብራህትን ፅሩይ ዝስተ ማይን ንምሉእ ሃገር ከምዝባጻሕ ገሊጻ


ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፅሩይ ዝስተ ማይን ፅሩይ ንምሉእ ሃገር ከምዝባጻሕ:መጠን ድኽነት እውን ናብ ትሕቲ ሸውዓተ ሚእታዊት ከምዝወርድ ኮሚሽነር ትልምን ልምዓትን ኣፍሊጠን።

ኮሚሽነር ትልምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ናይ 10 ዓመት መሪሕ ትልሚ ልምዓት ከተዳልው እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።እታ ሃገር ሎሚ እውን ኣብ ዝተሓተ ናይ ልምዓት ደረጃ እትርከብ ብምዃና ብዙሓት ሕቶታት ልምዓት ኣለውዋ ኢለን።

"ናይ ምልማዕ ቕሙጥ ዓቅምና ገና ዘይተተንከፉ ብምዃኖም ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ ብ10.2 ሚእታዊት ክዓቢ እዩ’’ኢለን።ድኽነት እውን ትሕቲ ሸውዓት ሚእታዊት ከምዝወርድን ነፍስ ወከፍ ኣታዊ እውን ልዕሊ 2,200 ዶላር ክኸውን ከምዝትንበይ ገሊፀን።

ዶክተር ፍፁም ብመዳይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ዝተሰርሕ ስራሕ ሰፊሕ እንተኾነ እውን ፅርየቱ ከምቲ ዝድለ ከምዘይነበረ ብምግላፅ ነዚኦም ንምዕራይ ሸቶታት ተቐሚጦም ኣለው ኢለን ።

"ኣብቲ ትልሚ ካብ ዝተቐመጡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ኤሌክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ወይ 100% ክባፃሕ እዩ።ፅሩይ ዝስተ ማይ እውን ኣብ ከተማን ገጠርን 100% ክባፃሕ ተተሊሙ ኣሎ’’ኢለን።

ፍልፍል ናይዚ ሸቶ ሕርሻ፣መፍረይ ኢንዱስቱሪን፣ ማዕድን፣ቱሪዝምን ኣይሲቲ ምዃኖም ኮሚሽነር ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG