ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል መጥቓዕቲ ፈጺሙ' ምኽትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ


ምኽትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ
ምኽትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ

ሎሚ ኣብ ምንስቴር ምክልኻል ኣብ ዝተውሃበ መግለፂኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲትግራይን ናብ ኵናት ካብ ዝእተ እዚ ንመጀመሪያ ግዜእዩ።ምኽትል ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ መብርሂ ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚዘይሓሰቦ መጥቓዕቲ ተፂምዎ ኢሎም።

‘’ሰሉስ ምሸት ስዓት ኣርባዕተ ናይ ሰሜን እዚ ሰራዊትናበብዘለዎ ትፅቢት ዘይተገበረሉ፣ዘይተሓሰበመጥቓዕቲተፈፂሙዎ’’ እዮም ኢሎም።

ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ሓይሊ ናይ ወፃኢ ወራሪኣይኮነን፤ተዓጢቑን ሸፊቱን ምስ መንግስቲ ኣብ ግጭትዘሎ ሓይሊ ከይኮነስ ናይ ባዕልና ናይ መንግስቲ ኣካል ካብዝኾነ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ውሽጢ ዘለውሓይልታት ፅንፊ እዮም ኢሎም።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጉድጓድ ኮይኑ ናይ ትግራይህዝብን ናይ ኢትዮጵያ ህዝብን ዝሕሉ ዝነበረ ናይ ሰሜንእዚ ዝብሃል ብናይ ባዕሉ መንግስትን ወገኑን ወራርተፍፂሙዎ ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ።

ሰራዊት ምክልኻል ነቲ መጥቓዕቲ ብጅግንነት መኪቱዎእውን ኢሎም።

‘’ሰራዊትና ብዝለዓለ ደረጃ ተኸቢቡ ኢድካ ሃብ፣ዕጥቕኻፍታሕ ተባሂሉ እናሃለወ ዝተወደበሉ ዕላማነዚ ስለዘይኮነ ብዘለዓለ ጅግንነት መኪቱዎም፣ኣብ ምምካትእውን ይርከብ ኣሎ’' ኢሎም።

እቲ ዝተረፈሰ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ሓይሊ ንምድሓንብዝተፈላለየ ኣንፈት እውን ኢሎም ናብኡየምርሕ ኣሎኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ነቲ ናይ ህወሓት ተግባር ተቓዊሙዎ እዩዝበሉ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንምክልኻል ሓይሊ ኢትዮጵያክኸብብ ተልእኾ ዝተወሃቦ ሓይሊ ከይተረፈ ነቲ ውግእኣብ ምቅዋም ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።ሰራዊትኢትዮጵያ ኣጋርነቱ ኣብ ምርግ ጋፅ ይርከቡ ዝበሉ ንሶምዝቖሰሉ እናልዐሉ ናብ ሕክምና የምፅኡዎም ከምዘለውወሲኾም ገሊፆም።ምስ ሓደ ፀቢብን ፅንፍኛን ኢሎምዝፀውዕዎ ዝካየድዘሎ ኵናት እምበር ንህዝቢ ትግራይኣይውክልን ኢሎም ብምውሳኽ።እቲ ውግእ ሓይልታት ምክልኻልዝምክቱዎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዘይበፅሕ ግን ህዝቢ ከይጉዳእ ሰራዊት ምክልኻልብጥንቃቐይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ውግእ ናብ ማእኸል ሃገር ኣይመፅእን፣ ኣብኡ ክውዳእ እዩ ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢሎምምኽትል ኤታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴርጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ህወሓት ኣብ ትግራይዝርከቡ ካምፕታት ሓይልታት ምክልኻል መጥቓዕቲምፍፃሙ ዝገልፁ ሪፖርትታት ኣዚዩኣተሓሳሲቡና ኣሎ ኢሎም።ሰላም ንምምላስን እቲ ወጥሪ ንምህዳእንቕልጡፍ ስጉምቲ ንክወሰድ እውን ኣተሓሳሲቦም ይብልፀብፃብ እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋሰንቲ ከባቢ ዝኾኑሶሮቃን ቅርቃርን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብርክት ዝበለ ናይህወሓት ሓይሊ ብሰላም ኢዱ ሂቡ ክብሉ ርእሰ ኣመሓዳሪኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

አቶ ተመስገን ጥሩነህ
አቶ ተመስገን ጥሩነህ

ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ንጉሆ ተደጋጋሚመጥቓዕቲ ፈኒዩ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣቶ ተመስገንጥሩነህ ኣብ ዝተኻየደ መሊስካ ናይ ምጥቓዕ ብርክትዝበሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ፤እቲ ውግእዕዉት ነይሩ ኢሎም።

ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ፣ሚሊሺያን ሰራዊት ምክልኻልንብዝተወዳደ ኣብ ዘካየዱዎ ቓልሲ ኣብ ሶሮቃን ቅርቃርንብዘይድልየቱ ክዋጋእ ዝተገበረ ዝበሉዎ ናይ ትግራይሓይሊ ፀጥታ ኢዱ ሂቡ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ፀጥታ ክልልኣምሓራ ምእታው እውን ገሊፆን ይብል ፀብፃብ ኣስቴርምስጋናው ካብ ባህር ዳር።

ብዝተኣሳሰረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ክልላት ደቡብህዝብን ሲዳማን ገሊፆም ብመሰረት ፀብፃብ ዮናታንዘብዲዮስ ካብ ሃዋሳ።።

ብኻሊእ ብኻሊእ ወገን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወስደስጉምቲ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ናይ ፖለቲካዕላማታቶም ብሓይሊ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱሓይልታት እውን ክውሰድ ከምዝግባእ ኢዜማኣተሓሳሲቡ።እቲ ሰራዊትን ሓይልታት ፀጥታንዝወስዱውም ሓይሊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ናይ ኩሎም ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊን መሰላትከኽብሩ ፀዊዑ ኣሎ።

ኢዜማ
ኢዜማ

እቲ ፓርቲ ሎማዕንቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይሃገር ሰላምን ሓድነትን ንምርግ ጋፅ ዝውሰድ ስጉምቲብቕልጡፍ ክዛዘም ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ይብል ፀብፃብመለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

XS
SM
MD
LG