ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር መረራ ጉዲና ተፈቲሖም፣ ደገፍቶም ብዓጀባ ተቐቢሎሞም


ዶ/ር መረራ ጉድና
ዶ/ር መረራ ጉድና

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 528 እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ። እቶም እሱራት ዝተፈትሑ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ተሃድሶ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ጥዕና ሎሚ ዝተፈትሑ መራሒ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ኮንግረስ ዶ/ር መረራ ጉዲና ጽቡቕ ኣሎ ኢልም ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገመታ።

ኦፌኮ ነቲ መንግስቲ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከመይ’ዩ ይጥምቶ? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ኣቶ ጥሩነህ ‘ሓቂ ንምዝራብ ምፍታሕ ዶ/ር መረራ ፈላማይ ስጉምቲ እውን እንተኾነ፣ እዚ ዓብዪ ጉዳ’ዩ ኢልና ኣይንግምትን ኢና። ዝተረፈ ስራሕ ይበዝሕ’ ኢሎም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ‘ኣብ ፈላማይ ዙር 528 ኣብ ገበን ቅትለትን ጉድለት ኣካልን ዘይተሳተፉ እሱራት ብምሕረት ከምዝፍትሑ’ ገሊጾም እዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:32 0:00

XS
SM
MD
LG