ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ግብፂ ንኣፍሪቃን ኣፍሪቃዊያንን ክብሪ የብሉን' ዲና ሙፍቲ


መንግስቲ ግብፂ ንሕብረት ኣፍሪካን ንኣፍሪካዊያንን ክብሪ ይኹን እምነት የብሉን ክብል ናይ ኢትዮጵያመንስቴር ጉዳይ ወፃኢንኣፍሪካዊያን ኣምባሳደራት ምግላፁ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይወፃኢ ኣምባሳደርዲና ሙፍቲ ገሊፆም።ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብጉዳይ ምግባሩ እውን ከንቱ ልፍዓት እዩኢሎምዎ።ኣብ ትግራይሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ይሓቱ ነይሮም ዝተብሃሉ ወገናት ቃልንተግባሮምን ኣዚዩ ዝተረሓሐቐ ከምዝኾነ እቶም ወሃቢ ቃል ተዛሪቦም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኢትዮጵያ ንልዝብ ናብ ኪንሻሳ ዝኸደትኣብ ዙሪያ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ሰለስቲአን ሃገራት ዘካይድኦልዝብ ብመንፈስ ኣፍሪካዊነት ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካዊያን ንምፍታሕ ይክኣል ብዝብል እምነት እዩ ነይሩ ኢሎም።

ይኹን እምበር እዚ ናይ ኣፍሪካ ጉዳይ ካብ ኣፍሪካዊያን ንምውፃእ ከይዕወት ይደፍኡ ነይሮም ኢሎም።እቶም ኣማባሳደር ብቕጥታ ሽም ከይጠቐሱ ቀንዲ ተዋሳኢትዝበሉዋ ሃገር ኣደ ወንበር ሕብረትኣፍሪካ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ኣፍሪካ ኣውፂኦም ናብ ኣሜሪካ ዝወሰደትሉ እዋን ነይሩ ኢሎም። ሎሚ እውን ናይ ኣፍሪካ መስርሕ ናይ ምዕንቃፍ ብዘለዎም ዝፀንሐድልየት ሎሚ እውን ካብኣፍሪካው ወፃኢ ኣርባዕተ ሃገራት ይእትው ብዝብል ከይዕወት ገይሮምዎኣለው ኢሎም።

መርገፂ ኢትዮጵያ ኣብ ምምላእን ምምሕዳርን ማይ መጀመሪያ ስምምዕነት ክህሊ እዩ ኢሎም። ኣጠቓቕማ ማይ ብዝምልከት ንዶብ ተሳገርቲ ሃብትታት ብዝገዝኡ ዓለምለኸ ኣሰራርሓታት መሰረት ዝገበረን ምኽኒያታውን ፍትሓውን ዝኾነ ስምምዕነት እያ ትደሊ ኢሎም።

ሱዳን ዝወሰደቶ መርገፂ ናይ ሳልሳይ ወገን ኣጀንዳ ካብ ምስጓም ካሊእ ምኽኒያት ከምዘይብሉ ብምግላፅ ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብ ጉዳይ ምግባት ከንቱ ልፍዓት እዩ ኢሎም።

ሱዳን ናይ ባዕላ ኣጀንዳ የብላን ዝበሉ ንሶም ካብ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ተረባሕቲ ናይዚ ግድብ ምዃኖምህዝቢ ሱዳን ይፈልጥ እዩ ኢሎም።ይኹን እምበር እቲ ወታደራዊ ክንፊ ናይ ካልኦት መልእኽቲ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኢሎም።ኣስዕብ ኣቢሎም።

ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብ ጉዳይ ምግባር ከንቱ ተግባርእዩ።ብዝኾነ ይኹን ናብ ዘይምልከቶ ነዚ ማይ ናብ በረኻ ንምውሳድ ዝግበር ምንቅስቓስ ፈፂሙ ተቐባልነትዘይብሉ እዩ።ንናይ ኣፍሪካ መስርሕ ተኣመንቲ ስለዝኾና እዚ መስርሕ ክዕወት ንደሊ ኢና። እዚ ንኣፍሪካ ኣማባሳደራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መብርሂ ተዋሂቡ እዩ እዮም ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ከም ዝተውሃበ እውን ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት መንግስቲ 70 ምእታዊ ከምዘቕርብ ዝገለፁ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ረድኤት ክነብፅሕ ኢሎም ይሓቱ ዝነበሩ ንዝበሉዎም ምዕራባዊያን መንግስታት ነቒፎም።ንምእታው ፍቓድ ሃቡ ይብሉ ዝነበሩ ምስተኸፈተ ግን መብዛሕቲኦም ባዶ ኢዶም እዮም መፂኦም፤ኣሜሪካዊያን ግን ረድኤት ኣቕሪቦም እዮምኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።

XS
SM
MD
LG