ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቢሾፍቱ በዓል ኢሬቻ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ


ኣብ ቢሾፍቱ በዓል ኢሬቻ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ እናወሰኸ ምዃኑ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣፍሊጡ።መንግስቲ ሰለስተ ናይ ሓዘን ማዕልታት ኣዊጁ’ሎ።

ተቓወምቲ ውድባት ግን መንግስቲ ንህዝቢ ይቕሬታ ክሓትትን ንስድራ መወቲ ካሕሳ ክኸፍልን ኣተሓሳሲቦም።በሰንኪ ትማሊ ዝበፅሐ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓዘን ትርከብ።ኣፈጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣብዳኡላ ገመዳ ኣብ ቢሾፍቱ በዓል እሬቻ ንዝሞቱ ንምዝካር ካብ ሎሚመዓልቲ ሶኑይ ጀሚሩ ሰለስተ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዕልታት ኣዊጆም።ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ትካላት ኣብ ኤምባሲታትን ቆንሱላትን ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መራኽብትን ባንዴራ ኢትዮጵያ ትሒቱ ይምብልበል ኣሎ።

ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኽ ምዃኑ እቲ ሓዘን ዝኸደበ ገይሩዎ’ሎ።ምኽትል ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ውድብ ናይ ኦሮሞ ፊደራሊስ ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ በዝሒ ዝሞቱ ብዝለዓለ ወሲኹ’ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን በዝሒ ዝሞቱ ሰባት 55 ምብፅሑ ገሊፁ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዘኖም ብምግላፅ ንስድራ መወቲ ፅንዓት ተመኒዮም ኣለው።ንፁሃን ዜጋታት ህይወቶም ዝስኣኑ እከይ ብዝፈጠሩዎ ዕግርግር እዩ ኢሎም።

ምስዚ ዘይሰማምዑ ተቓወምቲ ግን ንዝጠፍአ ህይወት ሰብ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ኢሎም ኣለው።ዋና ፀሓፊ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ እምነት ቦታ ዕጡቓት ጥይትን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም እቲ ህዝቢ ተቓውምኡ ከቕርብ ከሎ እውን ብትዕግስቲ ብዘይምስማዕን ናይ ምርግጋእ ስራሕ ብዘይምስርሑን መንግስቲ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ትማሊ በዓል ኢሬቻ ዝበፅሐ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ተቓውሞ ከምዝተልዓለ ተቓዋምቲን መንግስትን ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG