ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ኽፍፍል ኣታዊ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ዝሓሸት እያ ይብሉ ቀዳማይ ምንስቴት መለስ ዜናዊ


90 ሚእታዊ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን’ውን ተረባሕቲ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና ኮይኖም ተባሂሉ

ኢትዮጵያ ኣብ ፍትሓዊነት ክፍፍል ኣታዊ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብዝሓሸ ደረጃ ከእምትርከብ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ገሊፆም።ዝርገሐ ግልጋሎት ጥዕና’ውን ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ትማሊ መሸት ንመበል 13 ዓለምለኸ ጉባኤ ክንክን ጥዕና እንትኸፍቱ ናይቲ ጉባኤ መሪሕ ቃል ኣብ ፍትሓውነት ግልጋሎት ጥዕና ትዃሩ ምሃቡ ድሕሪ ምድናቕ ኣብ እዋናውነቱ ክርክርን ምይይጥን ክካየደሉ ዝግባእ ርእሰ ጉዳይ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ኣፈላላይ መጠን ኣታዊ ኣዝዩ እናሰፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ ኣቶ መለስ እዚ ንማክሮ ኢኮኖሚን ንማሕበራዊ ምርግጋዕን ማሕበረሰብ ዓለም ዓብዪ ሓደጋ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ቁጠባና በቢዓመቱ ብማእኸላይ ብውሕዱ ካብ 11 ሚእታዊ ንላዕሊ እናዓበየ ይርከብ ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ብዘደንቕ ኩነት እዚ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዕብየት ምህርቲ ዘርከቦ ረብሓ ብሰፊሑ ተኸፋፊሉ’ሎ።ብምቕፃል ‘’ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘውፅኦ ዳሕረዋይ ፀብፃቡ ከምዝሓበሮ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሐሸ ፍትሓዊ ናይ እቶት ኽፍፍል እንትህልዋ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ናይ ኣታዊ ኽፍፍል ፍትሓዊነት ካብ መንጎ ዝረአየለን ዓሰርተ ሃገራት ሓንቲ እያ።’’

ከም ኣገላልፃ ኣቶ መለስ እቲ ፍትሓዊ ኽፍፍል ኣብ ዝርገሕ ሓለዋ ጥዕና’ውን ተመሳሳሊ መልክዕ ኣለዎ።ኣብዚ ሕዚ እዋን 90 ሚእታዊ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ተረባሕቲ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና ኮይኖም ኣለው ኢሎም።

ኣብዚ ዓለምለኸ ጉባኤ 116 ሃገራት እናተሳተፋ እንትኾና 4,000 ዝኾኑ ተሳተፍቲ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ምንስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣፍሊጦም ኣለው።700 ዝበፅሑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡ እዮም፡ካብዚኦም እቶም ሓደ ምእቲ ብኢትዮጵያዊያ እዮም ክቐርቡ።

XS
SM
MD
LG