ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ህንዲ ራም ናት ኮቨኒህ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት አዲስ አበባ ኣትዮም


ፕረዝደንት ህንዲ ራም ናት ኮቨኒህ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት አዲስ አበባ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

ፕረዝደንት ህንዲ ራም ናት ኮቨኒህ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት አዲስ አበባ ኣትዮም

ፕረዝደንት ህንዲ ራም ናት ኮቨኒህ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት አዲስ አበባ ኣትዮም።

ንሶም ምስ ፕረዝደንት ኢትዮጵያ ሙላቱ ተሾመ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ቁጠባዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት፡ ስምምዕ ንግዲ፡ ኮሚኒኬሽንን መራኸቢ ብዙሃንን ተዘራሪቦም።

ፕረዝዲነት ኮቭኒህ ኣብ ውሽጢ 45 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ንኢትዮጵያ ዝበጽሑ መራሒ ህንዲ እዮም።

ንሶም ኣብዚ ናይ ሎሚ ምብጻሕ ሃገሮም ኣብ መዳይ ትምህርቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ትህቦ ሓገዝ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ፕረዚደንት ተሾመ ሙላቱ ብወገኖም ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ዝምድና ዝያዳ ክዓብይ ጸዊዖም።

ብመሰረት ናይ 2016 ዓ.ም ጸብጻብ ኣብ መዳይ ንግዲ ክልቲኣን ሃገራት ክሳብ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ ኒው ደሊ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ቀንዲ ኣውፈርቲ ኣብ አዲስ አበባ ምኳኖምን ክሳብ 4 ቢልዮን ዝግመት ወፍሪ ከምተኻይድ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG