ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድኽነት ነኪዩ፣ነፍሲ ወከፍ ኣታዊ ዜጋታት ወሲኹ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ


ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት ነኪዩ፤ናይ ዜጋታት ነፍስ ወከፍ እታዊ እውን ወሲኹ ክብል መንግስቲ ኣፍሊጡ።ምንስቴር ገንዘብን ኢኮኖሚን ኣቶ ሰፉያን ኣሕመድ ንኣባላት ወከልት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ኣብ ግብሪ ምውዓለ ካብ ዝጀመረሉ 2003 ዓ/ም ክሳብ 2005 ዓ/ም በብዓመቱ ብማእኸላይ 10 ሚእታዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

መነባብሮ ዜጋታት ዝተመሓየሸ እውን ከም ውፅኢ ናይዚ ዕብየት እዚ እዩ ኢሎም።ብፍላይ ድማ ዓመታዊ ናይ ነፍስ ወከፍ ኣታዊ ምውሳኹን መጠን ድኽነት እውን ምንካዩ ኣሃዛት ብምጥቓስ ‘’ ናይ ዜጋታት ነፍስ ወክፍ ኣታዊ ብናይቲ እዋን ዋጋ ዕዳጋ ኣብ 2002 ዓ/ም ካብዝነበሮ 373 ዶላር ኣብ 2005 ዓ/ም ናብ 550 ዶላር ሓፍ ኢሉ’ሎ’’ ኢሎም።

መጠን ድኽነት እውን ከምዝወረደ ጠቒሶም ኣለው።ንፓርላማ ኢትዮጵያ ዝቐረበን ብተውሳኺ ዝርርብ ከምዝፀድቕን ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ 2007 ዓ/ም በጀት ፌደራል መንግስቲ ልዕሊ 178 ቢልዮን ብር ከምዝኾነ ምንስቴር ሰፉያን ኣሕመደ ገሊፆም ኣለው።
XS
SM
MD
LG