ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሹመት አባላት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ኣጽዲቑ


ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሹመት ኣባላት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ከምዘጽደቀ ተገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ ሹመት ኣብ ናይጀርያ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደርን ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስታስቲክስን ዝነበራ ሳምያ ዘካርያ አደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኮይነን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ ዝነበሩ አቶ መሞዝ ማሞ ምክትል አቦ መንበር’ቲ ቦርድ ምርጫ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

እቲ ሓድሽ ቦርድ ነቲ ኣብ 2020 ዓ.ም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ብሓላፊነት ክመርሕ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ እዚ ሎሚ ዝጸደቀ ሹመት ዝላዘቡ ዘለው ኢህወዲግን ተቓወምቲ ፓርቲታትን ኣብ ኣወዳድባ’ቲ ቦርድ ዘለዎም ኣፈላላይ ኣብ ዘይፈተፈትሓሉ’ዩ እዋን’ዩ ዝበለ ካብ አዲስ አበባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣብ ምስያም ኣባላት ክሳተፉ ተሓቲቶም ምንባሮም እንተኾነ ከምዘይተቐበልዎ ምክትል ፕረዚደንት መኢኣድ አቶ ሙሉጌታ አበበ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG