ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ 11.4% ዕብየት IMF ኣይተቐበሎን


ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዕብየት 7.5%`ዩ ንሱ`ውን ዝመጽእ ዓመት ናብ 6% ክወርድ`ዩ ይብል IMF። ይኹን`ምበር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድልዱል ዕብየት ከምዘርኣየት ባንኪ ዓለምን IMFን ይኣምኑ

ኣብ ኢትዮጵያ ዲረክተራት ባንኪ ዓለምን IMFን ዝነበሩ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣዝዮም ዝደኸዩ ሃገራት ከይትወጽእ ዝገብርዋ ሓያለ ዕንቅፋታት ኣለዉ ይብሉ። ካብኡ ሓደ ድማ ናይ ወጻኢ ጽዕንቶን ዝተጋገየ ፖሊሲታትን ምዃኑ ይገልጹ።

ኩነታት ውልቀ-ዘፈር ኣዝዩ ተጸጊሙ ከምዘሎ ዝገልጹ ስርሖም ዝዛዘሙ በዓል ስልጣን IMF: ፖሊሲ ኤኮኖሚ ኢትዮጵያ ንንግዲ ደራቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዲረክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኬነቺ ኦሃሺ ብወገኖም፡ መንግስቲ ነቲ ዝተሓተ ፍልፍል ሃብቲ ሃገር ናብ ርእሱ ምውዓሉ፡ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ውልቀ-ዘፈር ከይዓቢ ይገትኦ`ሎ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ንፓርላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ግን፡ እቲ ርኢቶ ነቶም ትካላት ገንዘብ ከምዘይውክል ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ባንኪ ዓለምን IMFን ብመትከል ደረጃ ከምዘይፈላለዩ ተዛሪቦም ኔሮም።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG