ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውርን ንግዲን ሰባት፣ኢድ ገለ ኣባላት ፀጥታን ፍትሒን`ውን ኣለዎ ተባሂሉ


መርበብ ዘይሕጋዊ ዝውውርን ንግዲን
መርበብ ዘይሕጋዊ ዝውውርን ንግዲን

ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘይሕጋዊ ንግዲን ዝውውርን ደቂ ሰባት፣ናይ ገለ ኣባላት ፀጥታን ዘፈር ፍትሒ’ታ ሃገር`ውን ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ፌደራላዊ ፖሊስ ሓላፊ ምርመራ ገበናት ኮማንደር ከተማ ደባልቄ፣ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ዝበልዎም ኣባላት ፀጥታ፣ኣብ’ቲ ገበን ተሓባበርቲ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለው ኢሎም።

ኣብ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውርን ንግዲን ሰባት ይሳተፉ ዝነበሩ ወገናት ናብ ሕጊ ከምዝቀረቡ’ውን እቶም ኮማንደር ገሊፆም።

ካልኦት ኣብ’ቲ ገበን ኣእዳዎም ዘእተው ውልቀ-ሰባት ተታሒዞም ምፅራይ ይግበረሎም ከምዘሎ ኮማንደር ከተማ ገሊፆም ይብል ፋና ትካል ዜና።

XS
SM
MD
LG