ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሕጋውነት ሰነዳቶም ንኸረጋግፁ ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ፀዊዑ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ሰላማዊት ዳዊት ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ዘይሕጋዊ ሰነድ መንበሪ ሒዞም ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢረን።
ከም ኣገላልፃ እተን በዓልቲ-መዚ፡ እቶም ዝተጠቕሱ ዜጋታት ካልእ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲን ዝተፈላልየ ምኽንያትን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ምውዳቕ መእትዊ ቪዛኦም ባዕላቶም ንምንባሮም ዘናውሑ’ዮም ኢለን።
እተን ዋና ዳይሬክተር፡ እዚ ጉዳይ ስርዓት ክሕዝ ስለዘለዎ፡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ካብ 1 ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ኣብ ዘሎ ጊዜ ናብቲ ትካል እናኸዱ፡ ሕጋውነት ሰነዳቶም ከረጋግፁ ፀዊዐን። ነዚ ዕድል እንተዘይተጠቒሞም ግን ትካለን ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጠን። እቲ ስጉምቲ፡ ንዜጋታት ወፃኢ ምብራር ዘካትት ይኹን ኣይኹን ግን ኣይገለፃን። እቲ ፃውዒት ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከም ዘይምልከት ድማ ጠቒሰን።
ቅጥዒ