ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ሰራዊታ ክትልእኽ ትኸውን'ያ ተባሂሉ


ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ

ሪኢና ዝብሉ ሰባት ግና ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ሰጊሮም'ዮም ይብሉ ኢትዮጵያ ግና ነዚ ሓበሬታ'ዚ ሓቂ ኣይኮነን ትብሎ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ናብ ሶማልያ ተወሳኺ ሰራዊት ዝልእኹሉ መስርሕ ተዘራሪቦም።እቲ ዝወፀ መግለፂ ከምዝሕብሮ፣ሰራዊት ኬንያ ኣብ ትሕቲ ስሙር ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክንቀሳቀስ ክሓቱ‘ዮም ተባሂሉ‘ሎ።

ድሕሪ ጠለብ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ሰራዊታ ምናልባሽ ናብ‘ቲ ኣብ ሶማልያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝተጀመረ ውግእ ክትልእኽ ከምዝኽእል ኢትዮዽያ ገሊፃ‘ላ።መራሕቲ ኢጋድ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ነይሮም።

ሰራዊት ኬንያ፣ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመርዎ ወፍሪ፣ብዝናብን ሎጂስቲካዊ ፀገማትን ዝተደናጎየ‘ውን እንተመሰሰ፣ቀስ እናበለ ምዕባለ የርኢ‘ሎ።

ዲፕሎማትን ወትሃደራዊ ተንተንትን፣ግና ንኣል-ሸባብ ካብ ሶማልያ ፀሪግካ ንምውፃእ ዝተማለአ ዓቅሚ ይጠልብ‘ዩ ይብሉ።ካብ ሞንጎ‘ዞም ዓቅምታት ‘ዚኣቶም፣ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት፣ነፈርቲ ውግእ ታንክታትን ከምዝኾኑ ይጠቅሱ።

ጥምረት ሓይልታት ፀረ-ኣል-ሸባብ፣ወፃእተኛ ሓገዝ ከምኡውን ዓቅሚ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ -ኣሚሶም፣ንክጠናኸር ውሳነ ባይቶ ፀጥታ ሕ/መ‘ውን ኣድላዪ ምኻኑ ይገልፁ።ኣብ ኢትዮዽያን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ኬንያ ሞኒካ ጁማ፣ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ብህፁፅ ክሓልፍ ከምዝግባእ ዘእምን ምኽንያት ከቃልሑ‘ዮም ይብላ፥

“ንበዝሒ ሰባት ጥራሕ ኣልዒልካ ምዝርራብ ዝረብሕ ኣይኮነን።ሓደ ወትሃደራዊ ወፍሪ ብሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን ክድገፍ ኣለዎ። ናይ ኣጋር ወፍሪ‘ውን እንተኾነ ብብቁዕ ኣፅዋር ክሕገዝ ኣለዎ” ይብል።

ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ንስትራተጂካዊ መስመር መራኸቢ ኣል-ሸባብ ዝኾነ ወደብ ኪስማዮ ንምብታኽ ዘኽእል ስጉምቲ ንክውሰድ ንክፈቅድ ክሓቱ‘ዮም።ገለ ሓይልታት ሕ/መ ግና፣ማዕረ ምእዋጅ ኲናት ዝራኣይ ስለዝኾነ ንወደብ ምዕፃው ኣይፈቅዱን ይኾኑ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ።

ኣምባሳደር ጁማ ግና፣እቲ ወትሃደራዊ ወፍሪ ክዕወት እንተኾይኑ፣ መስመር ርክብ ኣል-ሸባብ ምብታኽ ግድን‘ዩ ይብላ።

ኣተኣናጋዲት ኣኼባ ኢጋድ ኢትዮዽያ፣ንምቅባፅ ኣል-ሸባብ ብድሕሪት ኮይና ትደፍእ ዘላ ሓይሊ ከምዝኾነት‘ዩ ዝእመን።

እንተኾነ ሰራዊት ኢትዮዽያ፣ናብ ውግእ ፀረ-ኣል-ሸባብ ንምውፋር ዝተበፅሐ ውሳነ ዛጊድ የለን‘ዮም ዝብሉ።ወሃቢ-ቃል ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም ”ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ከምዝሰገሩ ዝዝረብ ዘሎ ሓበሬታ ሓቂ ኣይኮነን።ወትሃደራት ኢትዮዽያ ኣብ ጥቃ ዶብ ኣለው።ገለ እዋናት‘ውን ኣበይ ከምዝርከቡ ንምንፃር ዝካኣል ኣይኮነን።እቲ ቁም-ነገር፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ኣይሰገሩን ዘለው” ኢሎም።

ኣፍሪቃውያን ዲፕሎማታት ብወገኖም፣ኢትዮዽያ ምስ ኣሚሶም ንክትወፍር ንዝቀርበላ ፀቅጢ ትቃወም‘ያ ዘላ፣ሓይልታት ኬንያ ግና ምስ ኣሚሶም ንክንቀሳቀሱ ድልየቶም‘ዩ።

XS
SM
MD
LG