ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ን'165- ሽሕ ሰባት ንምሕጋዝ ከምዝንቀሳቀስ ገሉፁ


ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ቀንዲ ቦአት-ፅሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ናይ ረድኤት ስራሓቱ ኣብቲ መንግስቲ ዘውፅኦ ሰነድ ሰብአዊ ረድኤት መሰረት ዝገበረ ምኻኑ ገሊፁ'ሎ።

ኣብ ሚንስተር ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ጨንፈር ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ውሕስነት ምግብን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 4.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ሓምለ ጀሚሩ ንዝመፃ ስዱሽተ አዋርሕ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮም ገሊፁ'ዩ።

ሓዳሽ ዝተሾማ ናይ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ዋና ፀሓፊት ወ/ሮ ፍረህይወት ወርቁ ንሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ከዝበለኦ ቤት-ዕዮኤን መንግስቲ ዘውፅኦ ሰነድ መሰረት ጌሩ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅን ኢትዮጵያ ደርቂ ዘስዓቦ ጉድአት ብኺኢላታት ክፅናዕ ጌሩ ክፍተት ከምዘሎ ተረዲኡ'ሎ ኢለን።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት 70-ዓመታት ዝገበረ ትካል ሰብአዊ ረድኤት'ዩ።

XS
SM
MD
LG